Saturday , April 20 2024
Leo Sellén / TT

ሓንቲ ነርስ ሰብ ንምድላይ ኣብ መዝገብ ሕሙም እለሻ ብምክያዳ ናብ ቤት ፍርዲ ኒሾፒንግ ቀሪባ ።

ኣብ ሶርምላንድ ሓንቲ ነርስ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዌብሳይት-ዕርክነት ናይ እደልየኪ’የ መልእኽቲ ዝሰደደላ ሰብ ንምድላይ ኣብ መዝገብ ሕሙም እለሻ ኣካዪዳ።

ከም ውጺኢቱ ድማ ኣብ ምጅማር እዚ ዓመት ብምጥሓስ ሕጊ መዝገብ ኣብ ቤትፍርዲ ወረዳ ኒሾፒንግ ተኸሲሳ ኔራ።

መዝገብ ሕሙም ብዘይፍቓድ ሕጊ ምርኣይ ብገበን ዘሕትት እዩ። ሕጂ ኣኽባር ሕጊ እዛ ነርስ ንሰለስተ ዓመት ናይ ፈተነ ግዜ ክብየነላ ሓቲቱ’ሎ ክብል ኤስ ቪ ቲ ኒህተር ሶርምላንድ ጸብጺቡ።

ኣብቲ ጸብጻብ እዛ ነርስ ዝፈጸመቶ ገበን ኣብ ሞያኣ ዘለዋ ተኣማነንት ብኣሉታ ከም ዝጸልወላ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com