Thursday , April 25 2024

በዓልቲመዚ ኮሚሽን ጸዓት ስልጣን ብዘይኣገባብ ተጠቒማትሉ ብዝብል ክሲ ከም እተሓተት ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጸዓት ሽወደን ኢብራሂም ባኢላን ን ዳይረክተር ጀነራል መርበባት ማሕበር ጸዓት ሽወደን Ulla Sandborgh ብምጽዋዕ ብዛዕባቲ ስልጣና ብዘይኣገባብ ተጠቒማትሉ ዝብል ብጋዜጣ Dagens Nehitet ዝቐረበ ክሲ ከዛራርባ ሓቲትዎ’ሎ።

እዚ ዝኸውን ጋዜጣ Dagens Nehitet እዛ ሚኒስተር Ulla Sandborgh ኣብቲ ትካል ንፍሉይ ዕላማ ክብል ስልጣኑ ብዘይ ኣገባብ ይጥቀም ኣሎ ዝብል ክሲ ድሕሪ ምጽሓያ ነበረ።

እዛ በዓልቲ መዚ ሚልዮናት ክሮነር ዝዋግኡ ኩንትራት ንናይ ቀረባ መሓዝኣ ሂባ ዝብል ክሲ እዩ በዛ ጋዜጣ ቀሪቡላ ዘሎ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ Ulla Sandborgh ነቲ ኤለትሮኒካዊ ስርዓት እቲ ኮሚሽን ንምክልኻል እኹል ስጒምቲታት ከም ዘይወሰደን በዚ ድማ ሚስጥራዊ ሰነዳቱ ክዘሩቚ ምጽንሑ ተገሊጹ’ሎ።

እታ ጋዜጣ ብዘይካዚ እዛ በዓልቲመዚ ዋጋታት ኤለትሪክ ክውስኽ ብምግባራ ብሚስጥር ብዛዕባኡ መልሲ ክትህብ ተጌሩ ምንባሩ ወሲኻ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com