Friday , April 19 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ ዘይተጸርበ ኣእምሮ

ዓቀብትን ኣኽረርትን ማሪተኛታትን (superstitious) ክብል ከሎኹ ነቶም ንነገራት ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል ዚደልዩን፡ ንድሕሪት ኪመልሱ ዚደልዩን፡ ሳየንሳዊ ብዘይኮነ መገዲ ኪሓስቡን ኪሓልሙን ዝደልዩን ሰባት እየ ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ዘለኹ። ከምዚ ዝመርገጺኦም ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። እቲ ዝኽተሉዎ መስመር ኣተሓሳስባ ወይ መጎተ ደስ ዚብሎም ግዲ ኾይኑ፡ ኣብቲ እነካይዶ ክትዕ እንሓንሳእስ ደስ ከይበሎም እዮም ዚሰምዑኒ። ’ከምቲ እንደልዮ ክንሓስብ ግዳ ዘይትገድፈና፡ ብሳይነስ ጌርካ ነቲ ኬፍና (ደስ ዘብለና ኩነታት) ተበላሽወልና ኣሎኻ’ ዚብሉ እዮም ዚመስሉ።

ንኣብነት ጸሓይን ዕምባባን ንውሰድ። ኣብራሃ ዓርከይ (እተማህዘ ስም እዩ) ጽሓይ ክትዓርብ ከላ ኪስእላ እዩ ዚደሊ። ዕራርቦ ጸሓይ ደስ እዩ ዚብሎ። ስለምንታይ ዕራርቦ ጸሓይ ሕብርታት ከም ዚፈጥር ግን ኪፈልጥ ኣይደልን። ዘድልዮውን ኣይመስልን፡ ከመይሲ ንሱ ኣብ ስነጥበብ እምበር ኣብ ሳየንስ ተገዳስነት የብሉን። ብዛዕባ ስፐክትሩም ወይ ወይቭለንግስ ወይ ድማ ጸሓይ ኑክለስያዊ እቶን ወይ ፎርኖ ምዃና ክገልጸሉ ከለኹ፡ ሓቂ ምዃኑኳ ይፈልጥ እንተ ኾነ፡ ንሱ ንጸሓይ ከም ወሃቢት ብርሃንን ምቖትን ከም ፈጣሪት ዕራርቦን ኣቝጽልትን ዕምባባታትን ገይሩ እዩ ኪሓስባ ዚደሊ። ሓቁ እዩ። ግን ብመገዲ ፍልጠት ክንጎዓዝ እንተ ዄንናስ ሓቁ ድማ ኣይኮነን። እቲ ሓቅስ፡ እቲ ጸሓይ ኑክለስያዊ ፎርኖ ወይ እቶን ከም ዝኾነት ዚሕብር ሳየንሳዊ መግለጺ እዩ።

ዕምባባውን ብወገኑ ምስቲ ኩሉ ጽባቐኡን ስልማቱን፡ ነቶም ንኺፋረ (ፖሊነሽን ከካይድ) ዚሕግዙዎ ንህቢ ንምስሓብ ደኣምበር፡ እቲ ሕብርታቱን ስልማቱንሲ ካልእ ዕላማ የብሉን። እቲ ንፈታዊቱ ዕምባባ ሒዙላ ዚኸይድ ኣፍቃሪ ግን፡ ብዛዕባ ፖሊነሽን ይኹን ብዛዕባ ንህቢ፡ ወይውን ብዛዕባ ባየሎጂካዊ ወይ ኢቮሉሽናዊ ዕላማታት ዕምባባ ኪሓስብ ኣይደልን። ንኣኡ ዕምባባ ማለት ናይ ፍቕሩ መግለጺ ፍጥረት እዩ።

ኣነ ብወገነይ ነቶም ኣብ ጸሓይ ሳየንሳዊ ትንተና ዘይኮነስ ስምዒታዊ ርእይቶ ዘለዎም ኣይነቕፎምን፡ ከመይሲ ወድሰብ ብተፈጥሮኡ ምስ ከባቢኡን ዙርያኡን ተሳኒዩ ኪነብር ስለ ዝደሊ፡ ንኹሉ ፍጡር ከም ብጻዩን መናብርቱን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዓቃቢኡን ገይሩ ኢዩ ኪወስዶ ዚመርጽ። ነቲ ብኣእምሮኡ ገይሩ ኪርዳኦ ዘይክእል ነገራት ድማ ወይ ይምክተሉ ወይ ድማ የምልኾ። ኪምርምሮ ግን ኣይደልን።

እዚ ከም ኣብነት ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ኣገባብ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ምስ ዓለምናን ምስ ሰብን ምስ ኩነታትን እንገብሮ ርክባትውን ይጸልዎ እዩ። ወድሰብ ብኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን እዩ ንከባቢኡ ኪጸልዎን ኪልውጦን ዚኽእል። ኣከባቢ ንሰብ ይልውጦ እዩ፡ ሰብውን ብወገኑ ንኣከባቢኡ ይልውጦ። እዚ ናይ ሓድሕድ ምጽልላው ከኣ እዩ ምዕባለ ወይ ለውጢ ከምጽእ ዚኽእል። እቲ ኣከባቢ ጥራይ እንተ ጸልዩ፡ ምዕባለ ኣይርከብን። እቲ ኣተሓሳሳብ ጥራይ እንተ ጸልዩ ድማ (ማለት ነቲ ኣከባቢ ብምርሳዕ) እቲ ምዕባለ ነዊሕ ኣይከይድን። ክልተኡ ምስ ዚጸላሎ ግን ዘላቒ ምዕባለ ኪህሉ ይኽእል።

ተኽላይ (እተማህዘ ስም እዩ) ኣብ ጸሓይ ኮይነ ክበልዕ ርእዩኒ። ኣብ ጸሓይ ኴንካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኮነን ዚብል ርእይቶ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ካበይ እዩ ኣምጺኡዎ? ምኽንያቱ ምስ ሓተትኩዎ፡ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ኣብ ኩሉ ቅቡል ምዃኑ ገሊጹለይ። እሞኸ ኩሉ ሰብ እንተ ተጋገየ ክትእርሞ ኣይግባእን ዲዩ ብምባል መሊሸሉ። ወድሰብ ኣብ በዓቲ ኪቕመጥ ከሎ፡ ሃዲኑ ኪበልዕ ከሎ፡ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢሉ ዓጽሚ ኪግህጽ ከሎ፡ ጸሓይ ኣብቲ መግቡ ኣይትዓልብን ድያ ነይራ? ዚብል ሕቶ ኣቕሪበሉ፡ ብጸሓይ ዝድረቐ ጣይታ፡ ኮረሾ ጌርካ ከም ዚብላዕ እውን ነጊረዮ። ይኹንምበር፡ ተኽላይ፡ ምስቲ ውሕጅ እዩ ኪኸይድ ዚደሊ። ኣንጻር ውሕጅ ወይ ኣንጻር ማሪታዊ ባህሊ ወይ እምነት ምኻድ ካብቲ ሕበረተሰብ ዚንጽሎ እዩ ዚመስሎ።

ኣብ ዓለምና ምንቅጥቃጥ መሬት ይበዝሕ ኣሎ ዚብል ዜናውን ኣቕሪቡለይ። እንታይ ኮን ይኸውን ምኽንያቱ፡ ብምባል ተወኪሰዮ። ሓጢኣትና በዚሑ ከይከውን ብምባል መሊሹ። ኣብ ሰብ ዘይብሉ በረኻታታ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት፡ ኣብ ምድረበዳታትሲ የንቀጥቅጥ እንዲዩ ኢለዮ። ወድሰብ ኣብ ሓደ ሸነኽ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ኣብቲ ንሱ ዘይነበረሉ ካልእ ሸነኻት ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን ኣይነበረን ዲዩ?

ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ቀጻሊ ብዜና ከም እንሰምዕ ገይሩና ዘሎ ምኽንያት ኣብዚ ግዜዚ ከም ተለቪዥንን ሞባይልን ራድዮን መጽሔታትን ኢንተርነትን ካልእ ናይ ሓበሬታ ኣውታራትን ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ ስለ ዘሎ ኣብ ዝኾነ ኩርናዓት ዓለምና ዚኽሰት ፍጻመታት ኣብ ገዛና ኴንና ንሰምዖን ንከታተሎን ስለ ዘሎና እዩ ኢለዮ። ብምቕጻል ከኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ከተማታት ኣብ ጥቓ ብጥንቲ ዘንቀጥቅጥ ዝነበረ መሬታት ይስራሕ ብምህላዉ፡ እቲ ቦታ ከንቀጥቅጥ ከሎ እቲ ከተማ ድማ ይልከም…. እቲ ምንቅጥቃጥሲ ካብ ጥንቲ ነይሩ እዩ….ስርሑ ድማ ኣየቋርጽን ኢለዮ። ተኽላይ ግን ትንተናን ምፍራስ ማሪታዊ መትከላትን ደስ ዚብሎ ሰብ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይቲ ዝለመዶ እምነትን ናይ ኣተሓሳስባ ምልድን እዩ ባህ ኢሉዎ ኪነብር ዝደሊ።

ምርምር ንኣእምሮ የናውጾ እዩ። በቲ ልምዳዊ ርእይቶ ምጕዓዝ ግን ንኣእምሮኻ ብህድኣት ይመልኦ። ይኹንምበር፡ ዕቤትን ምዕባለንሲ ብነውጽን ቃልስን ክርክርን ክትዕን ደኣምበር ብናይ ኣእምሮ ድቃስን ናይ ምሕሳብ ትህኪትን ኣይመጽእን።   

ንሕና ከምዚ ኢና ንሳቶም ከምዚ ኢዮም…ዚብል ኣዘራርባ ድማ ኣሎ። ተኽሉ (እተማህዘ ስም እዩ) ከምዚ ዓይነት ዘረባ ይፈቱ እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክፉኣት እዮም። እዞም ዓሌት እዚኦም ዓያሹ እዮም….ወዘተ። እቲ ክፍኣት ከም ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዲዩ ኣብቲ ደሞም ተመሊኡ? መንዩኸ መሊኡዎ? ብምባል ሓቲተዮ። ኩሉ ህዝቢ ወይ ዓሌት መምዓልቱን ዘዘመኑን ኣለዎ። ኣብ ሓደ ዘመን ገርህታት ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣብ ካልእ ዘመን ጎራሓት ኮይኖም ይጸንሑኻ። እቲ ኩነታት እዩ ከምኡ ዚገብሮም። ንሕና ከም ኤርትራውያን መጠን ድሕሪ ሕጂ ንዕሹዶ ይመስለኩም? ክሳዕ ሕጂ ገርህታት ህዝቢ ኢና ኔርና፡ ግን ጭቆናን መከራን ክሕደትን ተደማሚሩ ድሕሪ ሕጂ ተጠራጠርትን ጥንቁቓትን ከም እንኸውን ኪገብረና እዩ ዚብል ግምት ኣሎኒ።.

ኩሉ ነናቱ መበገስን ምኽንያትን ኣለዎ። ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዚመጽእ ለውጢ የልቦን። ናይ ወድሰብ ዓወት ኣብ ሓበሬታን ትልምን ምውዳብን እተመስረተ ደኣምበር ኣብ ስምዒትን ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመስረተ ኣይኮነን።

ሓደ ካብቶም ብጾተይ ከምዚ ኪብል ሰሚዐዮ። በዓል እከለ እኮ ኣብ ውግእ ዝሰዓሩ ንፋስ ስለ ዝሓገዞም እዩ። ናይ ኵናት ስልቲ ከም ዘሎ ጠፊኡዎ ዲዩ? ስትራተጅን ጥንቃቐን እኹል ሓበሬታን ከቢድ መጽናዕትንከ ንመን እዩ ኪህቦ ደልዩ? እሞ ብንፋስን ትክን ጸሓይን ዓወት ዚርከብ እንተ ኾይኑ ደኣ፡ ናይ ኲናት ምድላው ደኣ እንታይ ኣድለየ?

እከለ እኮ ቤትመሸጣኡ ከም እትኸስር ዝገበራ ናይ ገለ ሓሳዳት ዓይኒ እዩ። ናቱ ሕመቕ ኪትንትኑዎ ኣይደለዩን። ከምቲ ሓደ ነጋዳይ ብግዜ ጾም ጸባን ውጽኢት ጸባን ዚብል ትካል ከፊቱስ፡ ምሻጥ ምስ ኣበዮ፡ ዓይኒ ሓሳዳት እንድዩ በዚሑኒ ዝበለ እዩ ነገራቱ። መብዛሕትኡ ሰብ ንኹነታት ብስነሞገትን ብሳየንሳዊ መገድን ኪትንትኖ ኣብ ክንዲ ዚፍትን ናብ ማሪታዊን ሓሳባውን መግለጺ እዩ ዝጎዪ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ድማ ንነዊሕ ከኺደካ ኣይክእልን። ኩነታት ብስነመጎታውን ብሳየንሳውን ትንተና ደኣምበር ብስምዒት ኪረአ ኣይግባእን።

ስለምንታይ እዩ ግን ወድሰብ ናብ ማሪታውነትን ስምዒትን ናብ ሓሳብውነትን ዚጎዪ ወይ ዚዝምብል። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ስምዒትን ሓሳባውነትን ብዙሕ ሓንጎላዊ ጸዓት ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ሓደ ፈሳሲ ኣብ መሬት ምስ ተኻዕወ ነቲ ዝወሓደ መሰናኽል ዘለዎ መገዲ ደልዩ ዚጎዓዝ (ዘ ፓስ ኦቭ ሊስት ረዚስታንስ) ኣእምሮ ወድሰብ ድማ ነቲ ዝወሓደ መሰናኽል ዘለዎ መገዲ እዩ ኪወስድ ዚደሊ። ሳየንሳዊ ወይ ስነመጎታዊ መገዲ ክትክተል ከሎኻ ግን፡ ነቲ ኣእምሮኻ የድክሞ እዩ። ዝያዳ ባትሪ ትጥቀም ኣሎኻ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ምእንቲ ኪቐለካ፡ ናይ ማሪታውን ከንቱ እምነትን መገዲ ትወስድ።

ንኣብነት ሓደ እተማህረን ሓደ ትምህርቲ ዘይብሉን ሰብ ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ንበል። መብዛሕትኡ ግዜ (ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ዘይማዕበላ ሃገራት) እቲ ዘይተማህረ እዩ ዝያዳ ዚዕወት። ምኽንያቱ፡ ኣሰራርሓኡ ኣብ ዕዉር እምነትን ስምዒትን ዝዘምበለ እዩ። ብዙሕ ኪመራመር ኣይደልን። ብዙሕ ኪትንትን ኣይደልን። ነቲ ነገር ጠኒኑ ምስ ኣተዎ፡ ወይ ክብ ወይ ግብ ምባል ኣይተርፎን።

እቲ ምሁር ግን ብማራ ትንተናን ምርምርን ነቲ ጉዳይ ኪኣትዎ ኣይደልን። ኣይህብትምን። ግን ኣይከሰርን ከኣ። ገንዘቡ ሒዙ ናብ ዝማዕበላን ዝማዕበለ ናይ ዕዳጋ ስትራተጂ ዚኽተላን ሃገራት ከይዱ ዋኒኑ የካይድ። ንኺህብቲም ወይ ንኺዕወት ዘለዎ ዕድል ድማ ብዙሕ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣቦታትና ምሁር ይቕተለኒ ኪብሉ ከለዉ፡ እቲ ምሁር ወላኳ እንተ ተጋገየስ፡ ምኽንያት ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ስለዚ በደሉ ተኣሚኑ፡ እቲ ዚግባእ ንምግባርውን ልቦና ኣለዎ ማለቶም ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ኩሉ ስራሕና ተግባርናን ሓሳባትናን ነቲ ኣእምሮ ዚደፍን፡ ፈላላዪን ተጻዋርነት ዘይብሉን ስምዒትን ማሪትን ከንቱ እምነትን ከነጥፍእ ክንጽዕር ይግባእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com