Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ብኣማኑኤል ሳህለ ጸሓይ ወዲቓ! (The Day The Sun Fell !)

ሓደ እዋን ኣብ ገጠር እትቕመጥ ደርሆ፡ ካብቲ ቦታኣ ኣርሒቓ ብምኻድ፡ ዝወደቐ ኣእካልን ቋርፍን ትለቅም ነበረት። ቀጺላ ቍሩብ ምስ ከደት ድማ ፍረ ዓካት ረኸበት።

ቀሪባ ተዓዘበታ፡ ክትበልዓ’ውን ፈተነት፡ ግን ቍሩብ ምስ ተኾበትላ፡ ክትቅጽል ኣይከኣለትን። ክንደይከ ትቐይሕ ኢያ! ዓተር ትመስል ግን ኣመና ዓብያ! ደርሆ ኣብ ሓሳብ ኣተወት …………

“እውይ ጸሓይ ወዲቓ!” ጨደረት ደርሆ። ንሰማይ ከይረኣየት።

“እዋይ ጸሓይ ወዲቓ፡ ኣንታ እንታይ ኢዩ ዚግበሮ?” እናበለት ድማ ናብ ጫካ ኣትያ ንኹሎም ናይ ቀረባ እንስሳታት “ንዑ ረኣዩ፡ ጸሓይ ወዲቓ” እናበለት ሃወኸቶም። ንሳቶም ድማ ብግደኦም ንኻልኦት ነገሩ። እቲ ወረ ተላበዐ። ኩሉ እንስሳ ተረበሸ።

“ጸሓይ ወዲቓ እናተባህለ ዶ’ሞ ስቕ ክንብል ኴንና” በሃልቲ እንስሳታት ድማ ብኣንበሳን ነብርን ሓርማዝን ዝዖታን ተመሪሖም ክሳዕ ጎብየን ዓረነን ጻጸን ደድሕሪ ደርሆ ጐየዩ።

ኣብቲ ዝኣመተትሎም ቦታ ምስ በጽሑ፡ ኩላቶም ደው በሉ። ንጸጋም ንየማን ንቕድሚት ንድሕሪት ድማ ቁሊሕ-ምሊሕ በሉ።

ኣንበሳ ግን ኪጠራጠር ደኣ ጀመረ። እዛ ደርሆ ሎምመዓልቲ መስሓቕ ሸራፋት ክትገብረና ኢያ፡ ድማ በለ ብውሽጡ።

“ኣበይ ዲያ ወዲቓ?” ሓተተ ኣንበሳ ብውሽጡ እናተጠራጠረ።

ደርሆ ሃሰው ኢላ ነቲ ቦታ ብልክዕ ክትዝክሮ ስለ ዘይከኣለት፡ ጌና ኪስዕቡዋ ተማሕጸነት።

“ስቕ ኢልኩም ደኣ ሰዓቡኒ፡ ጉድ ኢዩ ተረኺቡ” በለት ደርሆ። ሒዛቶም ድማ ናብቲ ፍረ ዓካት ዝረኸበትሉ ቦታ ኣምረሐት።

ኣብቲ ናይ ሓቂ ቦታ ምስ በጽሐት፤

“እነሀት” ነቀወት ደርሆ።

“ኣበይ?” ሓተተ ኣንበሳ።

“ኣንታ እቲ ዓይንኻስ ከይርኢ ምሒሉ ዲዩ? እነሀት እንዶ ኣብቲ ፊትካ ኵድም ኢላ፡ ኣይትረኣየካን ድያ ዘላ?” ኣመልከተት ደርሆ።

ኣንበሳ ገሪሙዎ፡ ኣበይ፡ በየን ወገን፡ እናበለ ናብዝን ናብትን ቁሊሕ ምሊሕ ኪብል ጀመረ። ግን ኣብቲ ባይታ ብዘካ ቀያሕ ፍረ ዓካት ካልእ ኪርእይ ኣይከኣለን።

”እዚኣ ማለትኪ ዲኺ?” ደንጸዎ ኣንበሳ።

”እሂናይ ደኣ! ንኢሳትካ ዲያ!” ነቀወት ደርሆ ጭምጣ ሒዛ።

ሽዑ ኩላቶም እንስሳታት፡ ብኸንቱ ስለ ዘድከመቶም፡ ብሕርቃን ንደርሆ መናጪቶም ኪበልዑዋ ቍሩብ ተረፎም። ይኹን’ምበር፡ ኣንበሳ ድንቍርና ደርሆ ኣዓሪዩ ይፈልጥ ብምንባሩ ርእሱ ጥራይ እዩ ዝነቕነቐ።

“ክላ በሉ ንኺድ። ግደፉዋ፡ ደርሆ ደኣ ኣመላ እንዲዩ እቲ ድንቍርና፡ ንሕና ኢና በዲልና፡ ንኺድ ደኣ ካልኦት ከይስሕቁና ….ንሕና ንገድድ ምስ ደርሆ እነዅድድ” ብምባል ከኣ ነቶም እንስሳታት ነናብ ቦታኦም ኪምለሱ ኣዘዘ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ካብቶም እንስሳታት (ወላ’ውን እቲ ንጉስ እንስሳታት ተባሂሉ ዚንገረሉ ኣንበሳ ከይተረፈ፡ ወይ እታ ጥበበኛ እትብሃል ህበይ፡ ወይ እታ ብጉርሓ እትፍለጥ ወኻርያ) ሓደኳ ነታ ኣብ ሰማይ ገና ኣዳዕዲዓ እተብርህ ዝነበረት ጸሓይ ርእዩ፡ “ዋእ! ጸሓይ ደኣ ኣብ ቦታኣ እንዲያ ዘላ” ዝበለ ኣይነበረን።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ጉንጓ ኣብ ገረብ ኮይኑ ንኹሉ ይዕዘብ ነበረ። ጉንጓ ከም ለባም ዑፍ እዩ ዚቝጸር። ኩላቶም እንስሳታት ምስ ከዱ፡ ንሱ ነታ ደርሆ ከምዚ ኪብል ተዛረባ፥

”ስምዒ’ንዶ ደርሆ፡ ንስኺ ጸሓይ ወዲቓ ኢልኪ ንኽንደይ እንስሳታት ካብ ስርሖም ኣባዂርኪዮም፡ ስለምንታይ ንላዕሊ ዘይትርእዪ፡ ጸሓይ ደኣ ኣብ ሰፈራ እንዲያ ዘላ”።

ሽዑ ደርሆ ናብ ሰማይ ጠመተት፡ ድንቁርናኣ ድማ ተገልጸላ፡ ግን ከኣ ንድንቁርና ዚሓልፎ፡ ግትርና ድማ ተዓዲላ እያ።

ደርሆ ደጋጊማ ነታ ዓካት ረኣየታ፡ ጠመተታ፡ ዳህሰሰታ። ደርሆ ሓሰበት ……….

“እውይ ወርሒ ወዲቓ!” ጨደረት ደርሆ።

“እዋይ ወርሒ ወዲቓ፡ ኣንታ እንታይ ኢዩ ዚግበሮ?”

ሽዑ እቲ ጉንጓ፡ ”ክሊ፡ ንስኺ እትዕረዪ ፍጥረት ኣይኮንክን” ብምባል ነፊሩ ካብኣ ኣልገሰ።

ትምህርቲ፥ 1. ምስቶም ስቕ ኢሎም ዚጐዩ ኣይትጕየ፡ ምስቶም ብስምዒት ዝነጥፋን ሃተውተው ዘብዝሑን ኣይትሰለፍ፡ ህድእ ኢልካ ሕሰብ፡ ኣስተንትን፡ ኣእምሮኻ ድማ ክፈቶ።

ትምህርቲ፣ 2. ካብ ጌጋኻ ምእራም ኣብ ህይወትካ ዓወት ከምጽኣልካ ይኽእል፡ ብግትርናን ከንቱ ትምክሕትን ተለኺፍካ ካብ ጌጋኻ ዘይምእራም ግን ናብ መከራን፡ ቀጻሊ ስቓይን እዩ ዚመርሓካ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com