Thursday , April 25 2024

ሓንቲ ዓለም . . . . . ብኣማኑኤል ሳህለ . . . . . . ንኹሉ ዚስዕር ፍቕሪ፥ ሊሊ ማርሊን (LILY MARLENE)

 

ሊሊ ማርሊን ናይ ሃገር ጀርመን ናይ ፍቕሪ መዝሙር ወይ ደርፊ ኢያ ነይራ። ንሳ ብ 1915 ከም ግጥሚ ተጻሒፋ፡ ብ 1939 ከም ደርፊ ተቐሪጻ፡ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ መንጎ ሰራዊት ጀርመንን ወትሃደራት ኣመሪካን እንግሊዝን ፈረንሳን ህብብቲ ኮይና ሓሊፋ።

ነዛ ደርፊ ፍልይቲ ዚገብራ፡ በቶም ወትሃደራት ጸላእቲ ጀርመን ከይተረፈ ትድረፍ ብምንባራ ኢዩ። ኣብቲ ኲናት ዚካየደሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ኩሉ መዓስከራት ኤውሮጳ ብእትፈላለየ ቋንቋ ተተርጒማ ብብርቱዕ ስምዒት ትዝውተር ነይራ።

ኣብታ ደርፊ ከም እንዕዘቦ፡ እታ ኣፍቃሪት፡ ማለት ሊሊ ማርሊን፡  ንሓደ ኣፍቃሪኣ ዝኾነ ወትሃደር  ምሸት ምሸት ንድሕንነታ ከይፈርሀት ኢያ ፋኑስ ሒዛ ኣብቲ መዓስከር በቲ ሓጹር ኮይና እተዛርቦ ዝነበረት፡ ክሳዕ ፋኑሳ እትውዳእ።

ኣብ መጀመርያ፡ መራሕቲ ወትሃደራት ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ደርፊ ናይ ጸላኢ ብምዃና በቶም ወትሃደራቶም ከይትድረፍ ኣዚዞም ነይሮም፡ ግን ናይ ፍቕሪ ደርፊ ብምዃና ምንም ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ኩሉ ወትሃደር ድማ ኣብ ልቡ ናይ ብህይወት ዘላን ዝሓለፈትን ኣፍቃሪቱ ዝኽሪ ከም ዝነበሮ ንኹሉ ርዱእ ኢዩ፡ በታ ደርፊ ገይሩ ድማ ናፍቖቱ ይገልጽ ነይሩ።  ስለዚ ናብ እንግሊዝ ተተርጒማ ክትድረፍ ፈቒዶም። ካልኦት’ውን ከምኡ በብቛንቋኦም።

ፍቕሪ ንኹሉ ይስዕር ኢዩ እተባህለ ለካ ሓቂ ኢዩ።

ኲናት የፍርስ፡ ፍቕሪ ይሃንጽ። ፍቕሪ ዶብ የብሉን። ውግእ ግን ንዶባት ኢዩ ዘሳብብ።

ኣብ ክልተ ድፋዓት ኮይኖም ንኺኳሳተሩ እተኣዘዙ ወትሃደራት፡ ክልቲኣቶም ሊሊ ማርሊን እናበሉ ይደርፉ ነበሩ። ግን ትኣዛዝ ኮይኑዎም ድማ መዳፍዕ ይተዃዀሱ ነበሩ። ፍቕርን ጽልእን ብድምጽታት ይተሓላለፍ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ መንጎ መንፈስን ስጋን ዚካየድ ናይ ወድሰብ ህይወት፡ መብዛሕትኡ እቲ ስጋዊ ክፍሊ ኢዩ ዚስዕር። ኣብዛ ዓለም ካብቲ ኣምላኻዊ ባህርያት እቲ እንስሳዊ ባህርያት ዝያዳ ስለ ዚዕብልል፡ ወድሰብ ንውግእ መኣስ ደው ከም ዘብሎ ኣይፍለጥን። ኣብዛ ዓለምና፡ ኣብ መቓብር ጥራይ ኢዩ ውግእ ዘየሎ!!!

ፍቕሪ ምስዚ ኩሉ ሓይሉ፡ ነቲ ከምቲ ብማይ ዝጠስጠሰ ዕንጨይቲ ኮይኑ ዘሎ ልቢ ሰብ፡ ንኸንድዶ ዘሎ ዕድል፡ ኣዚዩ ውሑድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ትዕግስትኻ እውን ዘጨርስን ኢዩ።

 

ሊሊ ማርሊን

(እዚ ናይ ትግርኛ ርዕመት’ዚ ብናጻ መገዲ እተተርጎመ ኢዩ)

ኣብ ጥቓ’ቲ ጽኑዕ ዘይድፈር መዓስከር

ፍቕራዊ ግዜና ከም ኲናት ኪውርወር

መብራህቲ ኣብ ኢድኪ ዝኣረገት ፋና

ንጸልማት ልበይ ኣእቲኽሉ ባና

 

ምሸት ምሸት ኮይኑ መራኸቢ ቦታ

ዕላል፡ ሰሓቕ፡ ደስታ፡ ናይ ፍቕሪ ጸወታ

 

ኣብቲ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ለይቲ

ብዛዕባ ህይወትና መሊስና ክንዝቲ

ክልተ ነፍሳት ኢና ኣብ ስሙር ኣካል

ክልተ ርግቢ ኢና ትሕቲ ሓንቲ ጽላል

 

ብርሃን ንኺዓስሎ መጻኢ ዕድልና

ብሓደ ክንድምድም መገዲ ህይወትና

 

ከይተፈለጠና እዋኑ ሓሊፉ

ዘይውዳእ ፍቕሪ’ዩ ኣኺሉ ተሪፉ

ሰዓት ኣኺሉኒ ክምለስ ንቦታይ

ትእዛዝ’ዩ ኮይኑኒ ናብራ ናይ ዓቀይታይ

 

መብራህቲ ልብኺ ንልበይ ዘሊሉ

ንኹሉ መዓስከር ኣብሪሁ ብሓይሉ

 

ዘየቋርጽ ዕላል ኣብ ደገ ኣብ ቍሪ

ፍቕርኺ ኮይኑኒ ከም ዘይቅህም ጓህሪ

 

ኣጥፍኢዮ ፋኑስ ደጊም ይኣኽለና

ባዕልኺ ኣሎኺ ብርሃን ናይ ህይወትና።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com