Thursday , April 25 2024

ሓንቲ ዓለም: ብኣማኑኤል ሳህለ እታ ሳልሰይቲ ዓይኒ (The Third Eye)

ሳልሳይቲ ዓይኒ ምህላው፡ ዓሚቝ ናይ ምስትውዓል ሓይሊ ምህላው ማለት እዩ። እዚ ውሽጣዊ ዓይኒ’ዚ ንኹሉ ሰብ ተዋሂቡዎ ኸሎ፡ ገሊኡ ይጥቀመሉ ገሊኡ ኣይጥቀመሉን። ኪጥቀመሉ’ውን ኣይደልን።

ክልተ ዓይነት ዓይነስዉራት እዮም ዘለዉ። ናይ ዓይኒ ዕዉራት። ናይ ልቢ ዕዉራት።

ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ህይወታውን ዘይህይወታውን ነገራት ምልክት ናይቲ ዘይረኣይ ሓቂ እዩ። ኩሉ ብናቱ ቛንቋን ምልክታትን ኪዛረበና እዩ ዚውዕል። እቲ ኣብ መንጽር ዚረኣየካ ዘሎ ዓብን ጽኑዕን ጎቦ፡ ብዛዕባ ጽንዓትን ብርታዐን ይምህረካ ወይ ይእምተልካ ኣሎ፣ እታ ኣብ ኣኻውሕ ክትበቊል ኢላ ሒዅ እትብል ዘላ ንእሽቶ ተኽሊ በለስ፡ ብዛዕባ ተስፋን እምነትን ኢያ እትእምተልካ ዘላ። እታ ኣብ ኦም ኮይና ብሓጎስን ደስታን እትዝምር ዘላ ዑፍ፡ ብዛዕባ ራህዋን ብሩህ መጻኢን ኢያ እተዘንትወልካ ዘላ።

እቶም በሊሕ ኣእምሮ እተዓደሎም እንተ ዘይኮይኖም ግን፡ ነዚ ምልክታት’ዚ ዘንብቡዎን ዘስተውዕሉዎ ውሑዳት እዮም።

ሓደ ካብቲ ንምስትውዓል ነገራት ዚኽልክለና ዓጋቲ ነገር፡ ኣዒንትና ንደጋዊ ቅርጺ ጥራይ ስለ ዚርእይን ብኣኡ ስለ ዚፈርድን እዩ። ነፍስወከፍና ከክልተ ኣዒንቲ ተዓዲሉና ኣሎ። ብኽልቲአን ጌርና ድማ ንኸባቢና ንዕዘብ። ምርኣይ ኣገዳሲ ብምዃኑ ድማ፡ ሓንቲ እንተ ነቘረት በታ ዝተረፈት ጌርና ምርኣይና ንቕጽል። ክልተኣተን ግብ እንተ ኢለን ግን ነታ ሳልሰይቲ ዓይኒ (ማለት ንኣእምሮናን ምስትውዓልናን) ከነበርትዓ ንፍትን። ንኣኣ ዘንቍራ ስለ ዘየልቦ ድማ ክንሽገር ኣይግባእን።

ወድሰብ ኣብ ልዕል’ተን ክልተ ኣዒንቱ፡ ሳልሰይቲ ዓይኒ ኣላቶ። እቲ ውሽጣዊ ዓይኒ’ዚ ዘይብሉ ሰብ፡ ናይ ዕዉር ዕዉር እዩ። ናይ ዓይኒ ዑረት ኪፍወስ ይኽእል ይኸውን። ናይ ልቢ ዑረት ግን ፈውሲ የብሉን።

ናይዘን ኣብ ገጽና ዘለዋ ክልተ ኣዒንቲ ቀንዲ ስራሕ፡ ነቲ ካብ ደገ ዚመጸን ስእሊ ተሰኪመን ናብ ሓንጎል ምውሳድ ጥራይ እዩ። ፈረስ የብጽሕ እምበር ኣይዋጋእን ተባሂሉ እዩ። ሓንጎል ዘይብሉ ሰብ ግን ሽሕ ኣዒንቲ እንተ ኣለዎ’ውን ክርእይ ኣይክእልን። ይጥምት ግን ኣይርእን። ኣእዛን ኣለዎም ዘይሰምዓ። ኣዒንቲ ኣለዋኦም ዘይርእያ እተባህለ ነዚ ሓቅ’ዚ ንምርግጋጽ እዩ።

ድኽነት ናይ ኣእምሮ ጉዳይ ብምዃኑ፡ ብደጋዊ ዓይኒ ኣይረአን። ድኽነት ናይ ኣእምሮ ኩነታት ስለ ዝኾነ፡ ብውሽጣዊ ዓይኒ ጥራይ እዩ ዚረአ።

ሳልሳይ ወይ ውሽጣዊ ዓይኒ፡ ኣብቲ ድኽነት ሃብቲ፣ ኣብቲ ሃብቲ ድኸነት፣ ኣብቲ ጽቡቕ ሕማቕ፣ ኣብቲ ሕማቕ ጽቡቕ፣ ኣብቲ ብርሃን ጸልማት፣ ኣብቲ ጸልማት ድማ ብርሃን፣ ኣብቲ ምቕልጣፍ ምድግንጓይ፣ ኣብቲ ምድንጓይ ድማ ምቕልጣፍ፣ ኣብቲ ጥሜት ጽጋብ፣ ኣብቲ ጽጋብ ድማ ጥሜት፣ ኣብቲ ጕርሒ ዕሽነት፣ ኣብቲ ዕሽነት ድማ ልቦና ንምርኣይን ንምልላይን ሓይሊ ኣለዎ።

ደጋዊ ዓይኒ፡ ነቲ ሕጂ ኣብ ቅድመኡ ቈይሙ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ብድሕረኡን ብቕድመኡን፡ ብጸጋሙን ብየማኑን፡ ብልዕለኡን ብትሕተኡን ዘሎ ነገራት’ውን ይርእይ እዩ። እዚ ድማ ምስትውዓል ይብሃል።

ሓደ ነዊሕ ከይረኣኻዮ ዝነበርካ ብጻይ ኣብ መገዲ ትረኽቦ። ክዳውንቱ ርኢኻ፡ ዘረባኡ ሰሚዕካ፡ ስለ ዝጋበዘካ ድማ ገንዘብ ከም ዘለዎ ኣስተብሂልካ ትፋነዎ። ንኻልእ ብጻይ’ውን ከምኡ ኣብ መገዲ ረኺብካ፡ ብኽዳውንቱን ዘረባኡን ግብዣኡን ስለ ዘይዓገብካ ፍሉይ ርእይቶ ኣሎካ። ሽዑ ሰባት ብዛዕባ እቲ ቀዳማይ ወይ እቲ ካልኣይ ኪሓቱኻ ከለዉ እትህቦ ሓበሬታ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ደጋዊ ገምጋም እተመርኮሰ እዩ ዚኸውን።

እቲ ብደጋዊ ዓይኒ ዝርእይ፡ ንእከለ ረኺበዮ፡ ጽቡቕ ኣሎ። ንእከለ ረኺበዮ ነይረ፡ ተስፋ የብሉን። እከለ ኣብ መገዲ ተጓኒፉኒ፡ ብፍጹም ዚዕረ ሰብ ኣይኮነን፡ እናበለ ይዛረብ ይኸውን። ብምስትውዓልን ብውሽጢ ዓይኒ ዚርእይ ግን ብደጋዊ ነገራት ስለ ዘይታለል፡ እተፈልየ መግለጺ ኪህብ ይኽእል እዩ።

ጽብቕትን ምልክዕትን ሰበይቲ ብመልክዓ ክትምካሕ እያ እትነብር። እቲ ነቲ ዘይፈርስ ዚመስል ክቡር ህንጻ-ሰብ ዘዕኑ እርጋን ከም ዘርክባ ግን ኣይትፈልጥን። ጠባይ ነባሪ እዩ፡ መልክዕ ግን ብእርጋን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብንእሽቶ ሓደጋ’ውን ኪበርስ ይኽእል።

ይኹንምበር፡ መልክዐኛ ሰበይቲ ነቲ ብደጋዊ ኣዒንቲ ዝርእይ ጥራይ እያ ከተታልሎ እትኽእል። ነቲ ብሳልሳይ ዓይኒ ገይሩ ዝርእይ ግን ክትሓባብሎ ኣይትኽእልን። ብድሕሪኣን ብቕድሚኣን፡ ብየማናን ብጸጋማን፡ ብልዕሊኣን ብትሕቲኣን ኣዛዊሩ ብልቦና ስለ ዝምልከታ፡ ኣይታለልን።

መስተውዓሊ ሰብ ንኹሉ ኣዚሩ ስለ ዚርእይን ዚምልከትን፡ ኣብ ጸገም ንኺኣቱ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ዓሻን ዳንደን ግን ጸገማት መካይዶምን መናበሪኦምን እዩ። ካብ ሓንቲ ናይ ‘ጸገም ኣውቶቡስ’ ናብታ ብድሕሪኣ እትመጽእ ናይ ‘መከራ ኣውቶቡስ’ እናተሳገሩ ድማ ምድራዊ ጕዕዞኦም ይቕጽሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com