Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ
ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን።
እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን ኪዳንይን ተባሂሉ እተመስረት ዓለምለኻዊ ትካል ከይተረፈ ኣትዩ ኣሎ።  ው.ሕ.መ፡ ከተዓርቕ ዝግባኦ፡ ኪሸፋፍን፣ ዓገብ ኪብል ዚግባኦ፡ ስቕ ኪብል፣ ንህዝቢ ዓለም ኣብ ክንዲ ዘገልግል፡ ንሓያላን ሃገራት ኪምብርከኽ፣ ኣባላቱ ንውጹዓት ኣብ ክንዲ ዚረድኡ፡ ኪዕምጹን ኪዘርፉን ይረኣዩ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ነተን ንህዝበን ዚገፍዓን፡ ነተን ንህዝበን ዚሕብሕባን ንኹለን ከም ሓደ ጌርካ ናይ ምውሳድ ኣገባባት ኪተኣታቶ ይረአ ኣሎ። ኣብዚ፡ እቲ እኩይ ካብቲ ጥዑይ፡ እቲ ዘራፊ ካብቲ ወሃቢ፡ እቲ ዓማጺ ካብቲ ሓብሓቢ ተፈልዩ ዘይረኣየሉ ግዜዚ፡ ዓለምና ኣብቲ ናይ ፋሉላዊ መድረኽ (anarchy or nihilism) ትኣቱ ዘላ ትመስል።
ብሓጺሩ፡ ናይ ሞራል ቡሶላ ወይ ኮምፓስ ዘይብላ ዓለም፡ ናብ ናይ ምጽናት ጕዕዞ ትኸይድ ከም ዘላ ክንግረሃሉ ዘይብልና ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዘመንዚ፡ ሃገራት ዘይኮናስ፡ ዓለም ብምልእታ እውን ምድሓን ዘድልያ ግዳይ እያ ኮይና ዘላ። እቲ ምድሓና ግን ካብ ልዕለ-ተፈጥሮኣውን ማሪታውን ሕልማውን ሸነኽ ዘይኮነስ፡ ካብቲ ናይ ምሕሳብን ምትንታንን ኣእምሮ እተዓደለ ሰብ እዩ ኪመጽእ ዚኽእል።
ገለ ሕማም ኣሎ፡ ደረጃታት ዘለዎ። ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃኡ ኸሎ እንተ ዘይሓከምካዮ፡ ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ እቲ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎታት እናማህመነ እዩ ዚኸይድ። ኣብቲ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ደረጃ ምስ በጽሐ ግን፡ ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ሂብካዮ ወይ ዝኾነ ዓይነት መጥባሕቲ ጌርካሉ፡ ኣይሰምዕን እዩ።
ብድሕሪኡ ምንም ዚግበር የልቦን። ብዛዕባ’ቲ ብምድንጓይካ ምኽንያት፡ ንኸንቱ ዘጥፋእካዮ ገንዘብን፡ ብዛዕባ’ቲ ንብላሽ ዘህለኽካዮ ጉልበትን እናሓሰብካን ደኒንካ ኣናኣስቆርቆርካን ኢኻ እትጠፍእ!!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com