Thursday , April 25 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 1ይ ክፋል

ኣብ ናይዛ ዓለም ነዊሕ ጻንሒት፡ እኩይነት ወይ እከይ፡ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ምስ ስልጣነን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ንጥፈታት እናማዕበለ ከይዱ (spiraling upward)፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ናብ ልምዲ ተለዊጡ። መልሓስ ተበራቢሩ፡ ሕልና ግን ሞይቱ። ሕልና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ካብ ኣራዊት ምንም ፍልልይ ኪህሉዎ ኣይክእልን።
ሃና ኣረንት እተባህለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር ሓላፊ ዝነበረ ህቡብ ጨካን ናዚስታዊ ኣይኽማን ዚምልከት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣይሁዳዊት ደራሲት፡ ኣብቲ Eichmann in Jerusalem: A Report on the Banality of Evil ዚብል መጽሓፋ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ እከይ ምግባር ከም ስራሕ ኢዩ ዚውሰድ ነይሩ ትብል። ሓደ ሰብ እከይ ንኽገብር፡ ነቲ ተግባር ከም ናይ ስራሕ መግለጺ ወይ job description ኢዩ ዚጥቀመሉ ነይሩ። ሰብ ምቕታል፡ ምስቓይ፡ ከም ስራሕ ስለ እተወስደ፡ እቲ እከይ ዚገብር ሰብ፡ ስርሑ ወይ ትካላዊ ወይ መንግስታዊ ዕማሙ ዚፍጽም ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ዚስምዖ ነይሩ። ስለዚ ድማ ናይቲ ሰብ'ቲ
ሕልና ርጉእን ቅሱንን ኢዩ ነይሩ ትብል።
ኣብዚ ኣጋጣሚዚ ናይ ሰርጀንት ድራሩ፡ ኤርትራዊ ፖሊስ ኣብ 60ታት፡ ዘጋጠመ ክዝክር እፈቱ። ስራሕ ኣቦይ ሳጅን ነቲ እሱር ወይ ገበነኛ ብጉስጢ ምድዓዅን ከም ዚለፋለፍ ምግባርን ኢዩ ነይሩ። ይኹንምበር፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝመጾም እሱር፡ ወዲ ዓርኮም ኢዩ ነይሩ። እቲ እሱር ብጉስጢ ኪህረም ምስ ጀመረ -፡ ኣቦይ ሳጅን ምሽ ዓርኪ ኣቦይ ኢኹም፡ መሓሩኒባ ብምባል ለመኖም። ኣቦይ ሳጅን ግን ከምዚ ዚስዕብ ኢዮም ዝመለሹሉ፥ ኣታ ወዲ፡ ተስርሓና ዲኻ ወላ ኣይተስርሓናን ……………….(ሰሪሕና ከይንበልዕ መሰናኽል ኣይትኹነና ማለቶም ኢዩ።)
ኣብዚ ጽሑፍዚ፡ እከይ ከም ልምዲ ክብል ከሎኹ፡ ሞራልን ጭውነትን ርዝነትን ካብ ባህሊ ወድሰብ እናጠፍአን ብእከይ እናተተከአን ከም ልሙድ መዓልታዊ ስራሕ ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ ማለተይ ኢዩ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ ሕልና ምንም ሕርኽርኽ ኣብ ዘይፈጥረሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ሓደ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ምስቲ ባህርያቱ ዝወሃሃዱ መራሕቲ መንግስታትን፡ መራሕቲ ሃይማኖታትን ድማ ይፍጠሩ። ምፍጣሮም ዘግህዶ ግን ባዕሉ እቲ ህዝቢ ኢዩ። ናይ ቀተልትና ደኮንቲ፡ ናይ መዋረድትና ፈጠርቲ፡ ናይ ኣጥፋእትና ኣፍረይቲ፡ ናይ ሸየጥትና መረጽቲ፡ ካልኦት ዘይኮኑስ ንሕና ባዕልና ኢና። ኣብ ሕማቕ መሬት፡ እሾኽን ተኾርባን ይበቍል። ኣብ ጽቡቕ መሬት ግን ሳግላን ሽላንን ይበቍል።
ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ሞራል ውድቀት፡ ብጥንቲ ብኣዚዩ ውሑድ መጠን ኣብ ገጠራት፡ ብልዕል ዝበለ መጠን ኣብ ወረዳታት፡ ብብዝሒ ድማ ኣብ ከተማታት ይረአ ነይሩ። ኣብዚ ዘመንና፡ ማለት፡ ኣብዚ ዓለም ከም ቁሸት ተጠቕሊላትሉ ዘላ ዘመን ግን፡ እቲ ሞራላውን ስነምግባራውን ብከላ ንዓለምና ብመላኣ ዝመረዛ ይመስል (democratisation of immorality)።
ኣብዚ እዋንዚ፡ ወድሰብ ብዛዕባ ግሎባላዊ ሙቐት፡ ብዛዕባ ኣየራውን ማያውን ብከላ፡ ብዛዕባ ምጥፋእ እንሳታት ዘገዳም፡ ብዛዕባ ምስፋን እተፈላለዩ ባልዓትን ባክተርያታትን ቫይሩሳትን ይዛረብን ይጭነቕን ኣሎ። ብዛዕባ ስነምግባራዊ ውድቀት፡ ብዛዕባ ክልተ-መልሓስነት፡ ብዛዕባ’ቲ ግሎባላዊ ሃርገፍገፍን ንዓይ ይጥዓመንን ሒዙ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ሕማም ግን፡ ገና ኪዛረብ ኣይጀመረን።
ስለዚ፡ እቲ ንዓለም ከብርሳ ተቐሪቡን ኣብ ልዕሊኣ ዚዝምቢ ዘሎን መዓት፡ ናይ ኣየር ለውጢ ወይ ናይ እንስሳታት ምጥፋእን ብከላን ዘይኮነስ፡ ናይ ወድሰብ ገደብ ዘይብሉ ብልሽውናን፡ ኢሞራላዊ ኣተሓሳስባን ስዲ ኣካይዳን እዩ።
ሽዑ፡ ሰረቕቲ፡ ቀንዲ መራሕቲ፣ ሓሰውቲ፡ ወነንቲ ዘይተኣደነ ሃብቲ፣ ሸፈጥትን ቀጠፍትን ድማ ሓለፍቲ ሃገራትን ዞባታትን ይኾኑ። ስነምግባር ብእተፈላለየ መገድታት ይትርጎም (moral relativism)፡ ናይ መንግስታት ፖሊሲታት፡ ብመጠን ናይቲ ዚፈጥሮ ረብሓታት ይምዘን። ንግዲ፡ ብስርቅን ብብልሽውናን ይዕብለል። ጀዮፖለቲካዊ ፖሊሲታት፡ ንምውናን ሓይልን ንዋትን እምበር ንስቓይን ንውርደትን ወድሰብ ኣብ ግምት ኣየእትዎን።
ኣብ ከምዚ ዝበለት ዓለም ድማ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብርሑቕ ኮነ ብቐረባ፡ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ይሳተፍ ከም ዘሎ ኢዩ ዚረአ ዘሎ፡ እከይ ዚገብር ዘሎ ድማ ኣመስሎን።

ብተወሳኺ፡ ሃይማኖት፡ መሳርሒ ፖለቲካን መጋበሪ መስፋሕፋሕትን ብምዃን፡ ንህየሳዊ ስነመጎት ብምዕናው፡ ንውሕሉል ምሕደራ ብምድርባይ፡ ኣብ ክንድኡ ድማ ናይ ተምበርካኽነትን ናይ ድንቍርናን ናይ ማሪታዊ ኣምልኾን ሕልክስናን ኣተሓሳስባ ብምስፋን፡ ነቲ ናይ ለውጥን ምዕባለን ድራኸ ኣብ ምብቋሉ ይቐትሎ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com