Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም. . .ብኣማኑኤል ሳህለ . . .ውድቀት ናይቲ ብሩህ ኮኾብ (The Fall of Lucifer)

 

ኣብቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ንኮኾብ ጽባሕ ኣመልኪቱ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥ “ኣየ፡ ብሩኽ ኮኾብ፡ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡….” ቀጺሉ ድማ፥ ”ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ…” ይብል።

 

ኮኾብ ጽባሕ ግን እንታይ ኢዩ?

 

ኮኾብ ድራርን ኮኾብ ጽባሕን ኪብሃል ሰሚዕኩም ትኾኑ ኢኹም። እቲ ቀዳማይ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ኣብ ግዜ ምሸት ኢዩ ዚወጽእ፣ እቲ ካልኣይ ግን ብወገን ምብራቕ ኣብ ግዜ ወጋሕታ ኢዩ ዚረአ ። እቲ ዘገርም ግን፡ ኮኾብ ጽባሕን ኮኾብ ድራርን ሓደ ምዃኖም ኢዩ። ናይቲ ኮኾብ (ፕላነት) ስም ድማ ቪናስ ኢዩ።

 

ብተወሳኺ፡ ቪናስ ብልምዲ ኢዩ ከም ኮኾብ ድራር ወይ ኮኾብ ጽባሕ ዚፍለጥ እምበር፡ ብኣስትሮኖሚያዊ መገዲ ኮኾብ ዘይኮነስ ፕላነት ወይ ዓዋዲ ኢዩ። ዝኾነኾይኑ፡ ንቪናስ ምሸት ኪረአ ከሎ፡ ኮኾብ ድራር ንብሎ፡ ኣብ ግዜ ወጋሕታ ኪረአ ከሎ ድማ ኮኾብ ጽባሕ ንብሎ።

 

ኣዚዩ ብሩህን ድሙቕን ጸዳላውን ብምዃኑ፡ ብጽርየት ብርሃኑን ጽባቐኡን፡ ኣብ ሰማይ ድሕሪ ጸሓይን ወርሕን ዚስራዕ ንሱ ኢዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣብ ገለ ያታታት ማእከላይ ምስራቕን ግሪኽን ከም ወዲ-ወጋሕታ ዚፍለጥ፡ ወይ ድማ ከም ብሩህ ኮኾብ ወዲ-ወጋሕታ። ኣብ ካልእ ያታታት ድማ ሉሲፈር ወይ ተሰካም ሽግ፡ ወይ ሰራሒ ብርሃን ብዚብል መጸውዒ ይፍለጥ።

 

ከመይ ኢሉ ደኣ ካብ ሰማይ ወደቐ? ዚብል ሕቶ ኪቐርብ ንቡር ኢዩ።

 

ንቪናስ፡ ማለት እቲ ብሩህ ኮኾብ፡ እቲ ኣመና ጽባቐኡን ድምቀት ብርሃኑን (ኣብ ብዙሕ ያታታት ከም ዚትረኽ) ከስክሮ ምስ ጀመረ፡ ኣነ እየ ካብ ኩሉ ዝጸበቕኩን ዝደመቕኩን ብማለት ኣብ ልዕሊ ጸሓይን ወርሕን ንኺምካሕ ተላዕለ። ጸሓይ ምስ ከደትሉ ኣብ ግዜ ምሸት ኣብቲ ምዕራባዊ ሰማይ ኪወጽእ ከሎ፡ ብጽባቐኡ ምኽንያት ኩሉ ፍጡር የምልኾ ነበረ። ቀጺሉ ድማ ወጋሕታ ተንሲኡ ኣብቲ ምብራቓዊ ሰማይ ኮይኑ ትዕቢቱን ጃህራኡን ቀጸለ። ግን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ምስ ጀመረት፡ እቲ ኣንጸባራቒ ብርሃኑ ኪሃስስን ኪቕህምን ግዜ ኣይወሰደሉን። ጸሓይ ብሓይሊ ግርማኣ ንሰማይ ምስ ተቖጻጸረቶ ድማ ንሱ ንታሕት ገጹ ሰተት ኢሉ ብምውራድ ብኡ ገይሩ ኪጠፍእ ወይ ኪወድቕ ይነብር ኣሎ።

 

ኣብ ብዙሕ ያታታትን እምነታትን፡ ሰባት ነዚ ኩነታት’ዚ ከም ኣብነት ትዕቢትን ዘይተርፍ ውድቀትን ገይሮም ይገልጹዎ ኢዮም። ኣብ ትንቢት ኢሳያስ (14: 12) እንተ ርኢና፡ እቲ ንጉስ ባቢሎም ከም ትዕቢተኛ ይቑጸር ብምንባሩ፡ ንምውዳቑ ዚምልከት ተተንቢዩሉ ነበረ። ገለ ተመራመርቲ ጽሑፋት፡ እዚ ጥቕስ’ዚ ንሰይጣን ከም ዚምልከት ይሕብሩ። ዝኾነኾይኑ፡ ነቲ ዕቡይ ንጉስ ግን ከምዚ ዚስዕብ እዩ እተባህለሉ፥

 

”ኣየ፡ ብሩኽ ኮኾብ፡ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። …ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ … ….እየ፡ በልካ። ….ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ተደርቤኻ።….”

 

ኣብ ኣይሁዳዊ-ክርስትያናዊ ጽሑፋት፡ ሰይጣን ኪፍጠር ወይ ኪመጽእ ዝኸኣለ ብምኽንያት ወሰን ዘይብሉ ትዕቢትን ኣነነትን ምዃኑ ይግለጽ። ሰይጣን ብጥንቲ፡ ሰይጣን ከይኮነ ከሎ፡ ካብ ኩሎም መላእኽቲ ኣዚዩ ዝመልክዐን ዝጸበቐን ኢዩ ነይሩ ይብሃል። እዚ ጽባቐኡ’ዚ ከስክሮ ምስ ጀመረ ግን፡ ምስ ኣምላኽ ኪወዳደርን፡ ቦታ ኣምላኽ ኪወስድን ተመጣጢሩ። ነንብሱ ከም ኣምላኽ ገይሩ ኪወስዳን ኩሉ ኪሰግደሉን ብምድላይ ንመላእ ዩኒቨርስ ምስ ሃወኸ ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ መሬት ደርቢዩዎ ይብሃል። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ’ዩ ቪናስ ከም ኣብነት ሰይጣን ዚውሰድ። ከመይሲ ክልቲኣቶም ብሰንኪ ኣብ ጽባቐን ግርማን እተመርኮሰ ትዕቢቶም ኢዮም ኪወድቁ ዝኸኣሉ። ሰይጣን ብኣምላኽ ናብ ምድሪ ተደርቢዩ፡ ቪናስ (ኮኾብ ጽባሕ፡ ወይ ብሩኽ ኮኾብ ወዲ-ወጋሕታ ) ድማ ብጸሓይ ትሕቲ ደረት-ትርኢት ኪድርበ ይነብር ኣሎ!!! ንውድቀትሲ ትዕቢት ትቕድማ እተባህለ ድማ ከምዚ ምስ ኮነ ኢዩ።

 

ይኹንምበር፡ እቲ ንኽልቲኣቶም ከም ዚድርበዩ ዝገበረ ድራኸ፡ እቲ ብብዙሕ እምነታት ወይ ያታታት ከም ምንጪ ኩሉ ሓጥያት ኮይኑ ዚፍለጥ ትዕቢት፡ ወይ ድማ ብቛንቋ ግሪኽ ሁብሪስ ዚብሃል ናይ ወድሰብ ባህርይ ኢዩ።

 

ብፍላይ ኣብ እተፈላለዩ ሃይማኖታት እንተ ርኢና፡ እቲ ዝኸፍአ ትዕቢት፡ እቲ ንኣምላኽ ክትወዳደሮ ዚደፋፋኣካ ውሽጣዊ ድልየትን ባህግን ኢዩ። እዚ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ዓለምና ኣብ ነገስታትን ውልቀመላኽያንን ሓሓሊፉ ዚኽሰትን፡ ብውድቀትን ውርደትን ድማ ዚውዳእ ኩነት ኢዩ።

 

ኣብ ናይ ኣይሁድን እስልምናን እምነት ምስ እንርእይ፡ ንኣምላኽ መሻርኽቲ ምፍጣር ዓቢ ሓጢያት ኢዩ። እዚ ኣብ እምነት እስልምና ከም ”ሽርክ” ኢዩ ዚፍለጥ። እቲ ንባዕሉ ከም ኣምላኽ ገይሩ ዚቖጽራ ከኣ’ሞ ናይ ሰይጣን ቦታ ኢዩ ዚወስድ። ምድርባዩ ድማ ኣይተርፎን።

 

ኣብ እስልምና፡ ብደረጃ ክብደቱ ዚምደብ ሰለስተ ዓይነታት ሽርክ ኣሎ። ሓደ ካብኡ፡ (ማለት ብዘይካ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃሉኻ ዚብል ትእዛዝ) ግን ድማ ከም ንኡስ ሽርክ ዚቑጸር፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከም ጻድቕ ኴንካ ክትረኣይ ምድላይ ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ንነብስኻ ካብ ካልኦት ዝጸደቕካ ጌርካ ንኽትወስዳን፡ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ከም ዘሎካ ጌርካ ንኽትሓስብን እውን ኪድርኸካ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምስ ዘይኣክል፡ ጸኒሕካ ድማ ኣነ ፍሉይ መልእኽተኛ ኣምላኽ እየ (ኣምላኽ ተዛሪቡኒ፡ ኣማኺሩኒ ወዘተ.) ኣብ ምባል ክትበጽሕ ስለ እትኽእል፡ እዚ ባህርይ’ዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል ኢዩ።

 

ከምዚኦምን ካልኦት ንሓድነት ኣምላኽ ዚፈታተኑን ኣተሓሳስባታት፡ ናብ ጥርዞም ኪበጽሑ ከለዉ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ ኣብ ምባል ንኽትበጽሕ እውን ይደፋፍኡኻ ኢዮም።

 

ናይ መንግስቲ ሮማ ቄሳራት፡ ንነብሶም ከም ኣምላኽ ገይሮም ይወስዱዋ ከም ዝነበሩን፡ በቲ ህዝቢ ይምለኹ ከም ዝነበሩን ትፈልጡዶ? ወድሰብ ናይ ኣምላኽ ቦታ ንኺወስድ ኣብ ደመባህርያቱ ዘሎ መሰረታውን ሓባራውን ሕልሚ (collective unconscious) ኢዩ። ዕድል ኪረክብ ከሎ ድማ ናብኡ ኪዝምብል ድሕር ኣይብልን ኢዩ።

 

እስከ ነቲ ብ 1852-1870 ሃጸይ ፈረንሳ ዝነበረ ናፖለዮን ሳልሳይ ከም ኣብነት ንውሰዶ። ንሱ ክሳዕ ኣብቲ ናይ 1870 ኲናት ሰዳን ዚስዓር፡ ብግርማኡን በታ ኣንጸባራቒትን ኣዚያ ምዕብልትን ርእሰ ከተማኡ፡ ፓሪስ፣ ብናይ ንጉሳዊ ጌጻቱን ስልማቱን ፈንጠዝያኡን በቲ ጠገለ ዘይብሉ ረኣዩኒ በሃልነቱን ትዕቢቱን ኣነነቱን ዚወዳደሮ ኣይነበረን። ኣወዳድቓኡ ግን፡ ካብቲ ኣብ ዓለምና ንመራሕቲ ዝወረዶም ውድቀት እቲ ዝኽፍአ ኢዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ገለ ሰብ-ታሪኽ ነቲ ዘስደምም ውድቀቱ ዳርጋ ምስ ምውዳቕ ሉሲፈር የመሳስሉዎ ኢዮም።

 

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓለምና ብዙሓት፡ ሕንቁቓትን ተራእዩኒ ዚብሉን ውልቀመላኽያንን ነገስታትን፡ ብትዕቢትን ጠገለ ብዘይብሉ ርእሰተኣማንነትን፡ ብሓደገኛ ኣነነትን (pathetic narcissism )ተሰኒዮም ተመሳሳሊ ናይ ውድቀት ዋንጫ ተቐቢሎምን ሰትዮምን ኢዮም። ከም ኣብነት ድማ፡ ኔሮ፡ ካሊጉላ፡ ናፖለዮን ቀዳማይን ሳልሳይን፡ ሂትለር፡ ሰሰ ሰኮ፡ ሳዳም ሑሰን፡ ቃዛፊ፡ ኪጥቀሱ ይኽእሉ።

 

እቲ ኣብ ትንቢት ዳኒኤል ዘሎ ጥቕሲ ንመወዳእታኦም ብኸምዚ ዚስዕብ ኣዚዩ ዘሕዝን ፍጻመ ይድምድሞ፥

 

”እቶም ዚርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡… እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ኪምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ? ይብሉ ኣለዉ…

 

…ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ ንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ-እከይ ንዘለኣለም ኣይኪስመን እዩ።”

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com