Wednesday , April 24 2024

ሓንቲ ዓለም. . . .ብኣማኑኤል ሳህለ. . . .ገለ ርእይቶ ብዛዕባ ባህልን ምዕባለን (Reflexions on Human Culture)

ጃፓናውያን ኣብ ዓለም ብቝጠባ ኣዚዩ ክብ ዝበለ ደረጃ ዝሓዙ ህዝቢ እዮም። ብስነ-ስርዓት ድማ ዘርክቦም የብሎምን። ነቲ ጭዋ ባህሎም ከየጥፍኡ፡ ንመላእ ዓለም ናይ ስልጣነ ኣብነት ኮይኖምዋ ኣለዉ።

 

ስልጡን ንኽትብሃል ግን ግድን ናይ ወጻኢ ቋንቋ ክትዛረብ ወይ በታ ምዕብልቲ ዝኾነት ማኪና ክትዛወር ኣየድልን። ጽልሙት ሓንጎል ሒዝካ፡ ኣብ ርሻናት ብምንባርካ፡ ስልጡን ኣይገብረካን።

 

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ከም እተዓዘብኩዎ፡ እቲ ከተማ ደኣ’ዩ ምዕቡል እምበር፡ እቲ ናይቶም ተቐማጦ ኣእምሮ ወይ ሓንጎልስ ኣዚዩ ድሑር ኢዩ። ስልጣኔ ካብ ኣእምሮ ኪጅምር ይግባእ። ዘይሰልጠነ ኣእምሮ፡ ብምውናን ባላሶታትን ዘመናዊ ጎደናታትን ኣብያተምግብን ምዕቡላት መኻይንን ኪስልጥን ኣይክእልን ኢዩ።

 

ጃፓናውያን ዝሰልጠኑሉ ምኽንያት፡ በቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ኩሉ ሰብ ዚብህጎ ሃብቲ (ከም ፐትሮልዩምን ወርቅን ኣልማዝን) ዘይኮነስ፡ በቲ ልዕሊ መሬት ተቐሚጡ ዘሎ ሓንጎሎም ኢዩ። ነቶም ፐትሮልዩምን ወርቅን ካልእ ማዕድናትን ሒዞም ነዛ ዓለም ምንባር ዝኸልኡዋ ዘለዉ ኣህዛብ ግን እንታይ ክንብሎም ኢና?! ኣብ ክንዲ ናይ መሬት ማዕድን፡ ናይ ኣእምሮ ማዕድናት እንተ ዘጥርዩ ከመይ ግሩም ምኾነ!!! ኣበይሞ!!!

 

ኣብ ሃገር ሽወደን ምስ እንዕዘብ፡ እቲ ከተማታት፡ ብዓበይቲ ርሻናትን ብምዕቡላት መኻይንን ካልእ ፈንጠዝያን ዝመልአ ዘይኮነስ፡ ነቲ ተቐማጣይ ብዝጠቅምን እእምሮኡን ጥዕናኡን ብዚሕልወሉን ኣገባብ ብእተሰርሐ ገዛውትን መገድታትን መናፈሻን ዘጌጸ ኢዩ። ህዝቢ ሽወደን ካብቶም ብሉጽን ምዕቡልን ኣእምሮ ዘለዎም ኣህዛብ ኢዮም እንተ በልኩ ምግናን ኣይከውንን። ካብ ኣብ ስምዒት፡ ኣብ ስነመጎት ዝያዳ ይኣምኑ፣ ካብ ኣብ ከንቱ ሕልሚ ምጥሓል ድማ፡ ዝያዳ ነቲ ኪልወጥ ዘለዎ ኪልውጡን ነቲ ኪዕረ ዘለዎ ከዐርዩን ነቲ ኪመጽእ ዘለዎ ኪብድሁን ይመርጹ።

 

ኣብ ገሊኡ ከተማታት ኣፍሪቃ፡ ንዓሰርተ ሽሕ ህዝቢ፡ ሽሕ ባራት ኪህሉ ከሎ፡ መናፈሻን ኣብያተመጻሕትን ግን ዳርጋ ዘየሎ ኢዩ። ዝበዝሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ሃገሮም ናጻ ምስ ኮነት ዝተኽሉዎ ቀዳማይ ፋብሪካ፡ ናይ ቢራ ፋብሪካ ኢዩ። ምእንቲ ነቲ ሰብ ከህዳኡዎን ክዕዝምዎን እሞ ከም ድላዮም ገይሮም ኪመርሑዎን ሒዞምዎ ድማ ናብ ገደል ንኺኣትዉን። ብድሕሪኦም ሳዕሪ እንተ ዘይበቖለ ግዲ የብሎምን። ካብ ኣእዱግ ዚፍለዩሉ ነገር እንተሎ፡ ጭራ ስለ ዘይብሎም ኢዩ።

 

ገሊኦም ድማ ካብ ደገ ዝቐድሑዎ ሃይማኖታትን እምነታትን ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚዝርጋሕ ብምግባር፡ ከም ዘይሓስብን ሓላምን ገይሮም፡ ከም ድላዮም ኪጻወቱሉ ይውዕሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ግዜ ኮቪድ ብንጹር ተራእዩን ተሰኒዱን ኢዩ።

 

ኣብ ባህልና፡ ምሕሳው፡ ምስራቕ፡ ሃርጐምጐም ወይ ሃረምረም ምባል፡ ብድሕሪት ኴንካ ምሕማይ፡ ኣምሰሉ ምዃን፡ ጉቦ፡ ብልሽውና፡ ዓው ኢልካ ምስሓቕ፡ ኣብ መገዲ ምብኣስ፡ ዘዋርደካን ክብርኻ ዚቕንስን ነገራት ምፍጻም፡ እናበላዕካ ምኻድ፡ ንጓል ኣንስተይቲ ምህራም፡ ንዓቢ ምድፋር፡ ምዝንጣል ወዘተ. ከም ዓቢ ጽያፍን ነውርን እዩ ዚሕሰብ ነይሩ። ሎሚ ግን ከምኡ ምግባር ኢዩ ዝያዳ ስልጡንን ተዓጻጻፍን በሊሕን ከም ዝኾንካ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ሰብ ህቡብነት ዘልብሰካ።

 

ነዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዘይገብሮ ሰብ፡ ወረጃ ይብሃል ነይሩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ እተባህለ ኩሉ ዚፍጽሞ ሰብ ድማ ከም ዘይውርዙይን ፍንፉንን ሰብ ተቘጺሩ ኣብቲ ዓዲ ንዑቕን ክሳብ ንመውስቦ ዚኽልከለሉ እዋን’ውን ነይሩን ኣሎን ኪብሃል ሰሚዐ ኣለኹ። ሎሚ ግን፡ ገንዘብ ደኣ ይሃሉኻ እምበር፡ ኩሉ ፍቑድ ኢዩ!!

 

ቀደም ኣብ ሃገርና፡ ሃብታም ዘይኮነስ ወረጃ ሰብ እዩ ዚኸብር ነይሩ። እዚ ባህል’ዚ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ፡ ብተኸታታሊ መግዛእትን፡ ናይ ምዕራባውያንን ናይ ከተማን ጽልዋታት እናጠፍአ ይኸይድ ኣሎ።

 

ወድሰብ ግን ሓቂ ኣይኮነን ዚደሊ። ዘዐሽዎ ኢዩ ዚደሊ። መገዲ ሓቂ ቀጣንን ውሑዳት ሰዓብቲ ዘለዉዋን ኢያ። መገዲ ሕልምን ምትዕሽሻውን ግን፡ ገፋሕን ማእለያ ዘይብሎም ሰዓብቲ ዘለዉዋ ኢያ።

 

ብዙሕ ሰብ ዚስዕቦ ነገር እንተ ርኢኻ፡ ሓቂ ከም ዘይብሉ ፍለጥ። ከመይሲ ኣብዛ ዓለምና፡ ካብቶም ብኣእምሮኦም ዚምርሑ፡ ብስምዒት ዚምርሑ ይበዝሑ። እቶም ንሓቂ ዚደልዩዋ ውሑዳት፡ ዝረኽቡዋ ድማ ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ኢዮም። ከምኡ እንተ ዘይከውንዶ በዓል ሂትለርን ስታሊንን ሙሶሊኒን ተመሳሰልቶምን ንህዝቢ መሪሖም ናብ ገደል መእተዉዎ ነይሮም?!!!

 

ባህልኻ መለለይኻ ኢዩ። ግን ድማ ንቕድሚት ዘገስግሰካን ንማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ጥዕናኻ ዘደንፍዕን ኪኸውን ይግባእ። ከምዚ ዘይገብር ባህሊ፡ ምሒኻ ምድርባዩ ባዕሉ ኣምላኻዊ ስራሕ ኢዩ።

 

ባህሊ መጥፍኢኻን መልምዒኻን ኪኸውን እውን ይኽእል ኢዩ። ኩሉ ባህሊ ግን መበገሲኡ ጽቡቕ ከሎስ፡ ብምንዋሕ ግዜን፡ ብሸለልትነትን እቲ ህዝቢ ነቲ ጸጽቡቑ ገዲፉ ነቲ ሐሕማቑ እናተኸተለ ይስጉም እሞ፡ ኣብ መወዳእታ ስዲ ዝኾነ ባህሊ ይሰፍን። ስዲ ባህሊ ድማ ሒዙካ ናብ ገደል እዩ ዚኣቱ።

 

መንግስቲ ሮማ፡ ብስንፍና ወትሃደራታ ዘይኮነስ፡ ብስድነት ዜጋታታ እያ ብድሑራት ህዝቢ ተወሪራ ካብ ገጽ ዓለም ዝጠፍአት። ናይቲ ስድነት መበገሲ ድማ ባዕሉ እቲ መንግስቲ ኢዩ ነይሩ። ጽጋብን ብልሽውነትን ከንቱነትን። ርእሱ ዘይጠዓየ ፍጡር፡ እቲ ካልእ ኣካላቱ ጥዑይ ኪኸውን ኣይክእልን።

 

ባህሊ ከም ኣመልን ልምድን ኮይኑ ኪጅምር ከሎ፡ ገና ከይዓበየ መስርዑ ከተትሕዞ ይግባእ።

 

ሕማቕ ኣመል ብንእስነትካ ኪጠፍእ ዘለዎ ባህሪ እዩ። ኣመል ምስ ሳዕረረ ናብ ልምዲ ይልወጥ። ልምዲ ድማ ብምንዋሕ ግዜ ናይ ባህሊ ልብሲ ይለብስ። ንኺመሓው ዘሎ ጻዕሪ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ እዩ። እቶም ሕጂ ንወድሰብ ዘሳቕዩ ዘለዉ ውልቀመላኽያን፡ ኣተዓባብያ ዝበደሎም፡ ካብቲ ናይ ኣቦታቶም ባህሊ ነቲ ከክፉኡ እናኣረዩ ዝዓበዩ ምዃኖም ኣይንረስዕ።

 

ፖለቲካዊ ስልጣኖም ንምቕጻል ብማለት፡ እቲ ግሩም ባህሊ ማሕበረሰብ ፈጺሙ እንተ ጠፍአ ዘይግድሶም መራሕቲ ብዙሓት ኢዮም። ንጉስ ጥራይ ደኣ እኹን እምበር፡ ኩሉ ድዋዕዋዕ እንተ በለ ፋዕራ የብለይን በሃልቲ ኢዮም። ህበይሲ መሬት እንተ ትግልበጥ ኩዕንቲ ምጸገብኩ ነይረ በለት ይብሃል። ምስኡ ከም እትግልበጥ ዲያ ረሲዓቶ?!

 

ባህሊ ንዘልኣለም ኣይነብርን። ግን ከኣ መለለዪኻ ክሳዕ ዝኾነ ክሳዕ ዚከኣለካ እንተ ዓቀብካዮ ዝበለጸ ኢዩ። ብኻልእ ባህሊ ተበሪዙ ምስ ዚጠፍእ ግን፡ ዚግበር የልቦን። ኣብ ዓለም ብኸምዚ ዝጠፍአ ባህልን መለለዪን ውሑድ ኣይኮነን። ኩሉ ሓላፊ ምዃኑ ምዝካር ይግባእ። ግን ከኣ ወድሰብ’ውን ባዕሉ ሓላፊ ኢዩ።

 

ጽቡቕን ሕማቕን ባህሊ ብኣመልን ልምድን ዚድኰን ውጽኢት እዩ። ባህሊ ምስ ዚጠፍእ፡ እቲ ህዝቢ’ውን ዳርጋ ምስኡ ኢዩ ዚጠፍእ ወይ ዚሃስስ። ከመይሲ ባህልኻ መለለይኻን መንነትካን  ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንስኻ ባዕልኻውን ውጽኢት ባህልኻ ኢኻ።

 

ጽቡቕ ባህሊ ንስልጣነ ኣይጻባኦን እዩ። ብኣንጻሩስ የማዕብሎ ደኣ። ባህሊ ማለት ሳዕስዒትን ደርፍን መሶብን መሰንቆን ክራርን ኣውሎን ጥራይ ኣይኮነን። ስልጣነ ማለት ከኣ ኮምፕዩተር ወይ ቪደዮ ወይውን ላንድክሩዘር ጥራይ ማለት ኣይኮነን። ባህሊ ማለት ጭዋን ውርዙይን ባህርያት ዝሓዘለን ዝጠርነፈን ሕብረተሰብ ኢዩ።  ስልጣነ ድማ ውሕሉልን ኣሳታፍን ምሕደራ ኢዩ።

 

ግንከ ኣብዚ ናይ ተለቪዥንን ሞባይልን ዩትዩብን ብቕልጡፍ ዚዕብልለሉ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ናይ ሕንፍሽፍሽን ሓፈሻዊ ናይ ድንቁርና መንፈስን ምትላልን ብልሽውናን (fake news, mass delusion, swindling, scamming, child porno and trafficking ) ብኣኡ መጠን ብቕልጡፍ ይሰፍን ኣሎ።

 

ከምዚ ኣካይዳ’ዚ እንተ ቀጺሉ ድማ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ባህልን ውሕሉል ስልጣኔን ዚብሃል ነገር ኪርሳዕ ኢዩ። መለለዪ ወድሰብ ድማ ባህሉ ዘይኮነስ፡ ኣነነትን ፍቕሪ ንዋይን፡ ስልጣን ምኽዕባትን፡ ዘይናትካ ምድላይን፡ ምግባትን፡ ንብጻይካ ከም ጓና ምርኣይን ኮይኑ ንግዜኡ ኪቕጽል ኢዩ።

 

ግንከ፡ ንግዜኡ ደኣ’ዩ’ምበር፡ ዓለም ዝጸበበቶ ወድሰብሲ ካብኣ ዘልግሰሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኪኸውንን ኢዩ።

 

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com