Thursday , April 25 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) …. ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋልን

ብኻልእ መገዲ ኪረአ ከሎ፡ ኣብ ፍጥረት ፍልይ ዝበለ፡ ካብቲ ልሙድ ሕጊ ዝወጸ ፍጻመታት ወይ ክስተታት ወይ ባህርያት ኪህሉ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ዩኒቨርስ፡ እቲ ሕጊ’ውን ከምኡ ደረት ኪህሉዎ ኣለዎ ኪብሃል ኣይከኣልን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ እቲ ከም  ብላክ ሆል (Black hole ) ዚፍለጥ ኮዝሚካዊ ክስተት ኢዩ። ገለ ተመራመርቲ ከም ዚብሉዎ፡ ኣብ ብላክ ሆል ኩሉ ነገራት ብግልብጥ ኢዩ ዝነጥፍ። ስለዚ ምናልባት ኣብኡ እቲ ኣብቲ ልሙድ ፍጥረት ዚሰርሕ ስነመጎት ከይሰርሕ ይኽእል ይኸውን። 

ዝኾነኾይኑ፡ እቲ ቀንዲ መጽሓፊየይ፡ ተኣምራት ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦን፡ ኩሉ’ቲ ተኣምራት እንብሎ ክስተት ድማ ፍሉጥ ወይ ደሓር እዋን ዚፍለጥ ከም ዝኾነን ንምግላጽ ኢዩ። ስለዚ ብኣይ ወገን፡ ተኣምራት ኪብሃል ከሎ፡ ብዙሕ ዘይትጽበዮ ተርእዮ ኪፍጸም ከሎ ማለት ኪኸውን ይኽእል። ግን ዘይተጸበኻዮ ክስተተ ወይ ተርእዮ ተፈጺሙ ማለት ከኣ፡ ተኣምራት ወይ ካብ ሕጊ ዝወጸ ነገር ተፈጺሙ ማለት ኣይኮነን።

እምበኣር ነዊሕ ከይከድና ኣብቲ ኣብዚ ግዜ ግኑን ኮይኑ ዘሎ ቅጥዒ ዘይብሉ ናብ ትእምርትን ተኣምርን ተኣምራትን ተመክሮታትን ኣተግበርቱን ኣቲና ንተዓዘብ።  እዚ ባህርያትዚ ኣብቶም ምስ ኣምላኽ ወይ ምስ መናፍስቲ ምትእስሳር ኣሎና ዚብሉ ካህናት ይኹኑ ወይ ደብተራታት ወይ ጠንቆልቲ ዚረአ ሃይማኖታዊ/መንፈሳዊ ንጥፈት ኢዩ። 

ዕዉር ከም ዝርእይ ገይረ፡ ድዉይ ከም ዚኸይድ ገይረ፡ ካንሰር ኣሕወየ፡ ነቲ ድኻ ዝነበረ ከም ዚህብትም ገይረ፡ ወዘተ. ዚብሉ ረክላማት መወዳእታ የብሎምን። እቲ ካንሰር ዘሕዊ ሰብ ግን ስለምንታይ ኣብቲ ብመሰኪን ናይ ካንሰር ሕሙማት ዝመልአ ናይ ህጻናት ፍሉይ ሆስፒታል ከይዱ ዘየሕውዮም (እቲ ዚሓዊ ቅድም ኪኣምን ኣለዎ ከይብሃል ከኣ እቶም ህጻናት ደቂ 1-4 ዓመት ኢዮም)?! እቲ ንዕዉራት ዘሕዊኸ ስለምንታይ ኣብ ናይ ዓይኒ ሆስፒታል ከይዱ ነቶም ዶካትር ዘይሕግዞም?!

ኣብዛ ዓለምና፡ ብዘይ እግርን ብዘይ ኢድን ዚውለዱ፡ ተጣቢቖም ዚውለዱ፡ ሓንቲ ዓይኒ ጥራይ ሒዞም ዚውለዱ ወዘተ. ብዙሓት ኢዮም። ነዚኣቶምከ ስለምንታይ እቲ ደባትር ተኣምራት ዚብሉዎ መስርሕ ከሕውዮም ዘይከኣለ? ብዘይ እግሪ ንእተወልዱ ብተኣምራት እግሪ ኣብቊሎምሎም ኪብሃል ሰሚዐ ኣይፈልጥን።

ምኽንያቱ ከምዚ ዚስዕብ ኢዩ። ናይ ሳየንስ ርኽበት ወይ መስርሕ ኪደጋገም ዚኽእል ከሎ፡ ኣብ ተኣምራት እተመርኮሰ ክስተት ግን ኪደጋገም ኣይክእል ኢዩ፡ መሰረት ስለ ዘይብሉ!! እቲ ዘሕዊ ደብተራ ወይ መንፈሳዊ ሓኪም፡ እቲ ተኣምራት ምስ ፈሸሎ ዘይብሎ ነገር የልቦን። ኣብዚ ምድጋሙ ከየሰልችወና ብማለት ክገድፎ። 

ናይ ሳየንስ ርኽበት ወይ ተግባር ኪድገምን ኪደጋገምን ኪረጋገጽን ዚከኣል (demonstrable and repeatable) ሓቂ ኢዩ። ናይቲ ኣብ ሳየንስ ዘይምርኮስ ስራሕን ተግባርን ግን ኣብ ላቦራቶሪ ምስ ቀረበ ምንም ውጽኢት ከምጽእ ኣይክእልን። እቲ ገለ መንፈሳውያን ዚንተዩሉ ተኣምራት ድማ ቀንዲ ድኽመቱ እዚ ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን እቲ ፐኒሲሊን ዝረኸበ ኣለክሳንደር ፍለሚን እተባህለ ሳየሰኛ፡ ነቲ ርኽበቱ ኣብ ሆስፒታላት ከም ዚዝርጋሕ ብምግባሩ ኣብ 2ይ ውግእ ዓለምን ድሕሪኡ ኣእጋሮም ንኺቑረጽን ንኺሞቱን ዚጽበዩ ዝነበሩ ኣስታት 200 ሚልዮን ናይ ጋንግሪንን ናይ ካልእ ረኽስታትን ግዳያት ከም ዚሓውዩ  ገይሩ ኢዩ። ዓለም ካብ እትፍጠር ጀሚሩ ከም ፐኒሲሊን ገይሩ ንወድሰብ ካብ ሞት ዘድሓነ መድሃኒት የሎን እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን። 

ፐኒሲሊንን ኣንቲቢዮትክን ንዝኾነ ሰብን ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝኾነ እዋንን ብዘይ እምነት፡ ብዘይ ምሽክንክን፡ ብዘይ ምጭዳርን ምግዓርን፡ ከሕውዩ ተራእዮም ኢዮም። ንምንታይ የሕውዩ ከም ዘለዉ ድማ ዝኾነ ሰብ ኪመሃሮን ካብኡ ንላዕሊ ንኺፈጥር ድማ ንኺጽዕር እቲ ማዕጾ ክፉት ኢዩ!! 

ኣብዚ፡ ንእግረመገደይ ነቶም ኣንጻር ፖሊዮን፡ በዲዶን ካልኦት ስንክልናን ዑረትን ምጽማምን ዘስዕቡ ሕማማት ንምብዳህ እተቓለሱ ሰብሳየንስ ከይዘከርኩዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብዛ ዓለምና ጻድቃናት እንተ ኣለዉስ እዚኣቶም ምሳታቶም ኪቝጸሩ ይግባእ! እቲ ሕሙምት የሕዊ እየ ዚብል ደብተራ ንባዕሉ፡ ከቢድን ሓደገኛን ሕማም ኪሓምም ከሎ ናብ ሓኪም ከም ዚጎዪ ትፈልጡዶ? ከይሓፈረ!! 

 ንምድምዳም፡ ነቶም ኣብ መንፈሳውነት ዚኣምኑ ሰባት፡ እቲ ዝዓበየ መንፈሳዊ ወይ ስነልቦናዊ ፍጻመ፡ ንሓደ ዕዉር ዓይኑ ምኽፋት ወይ ንድኑስ ብእግሩ ከም ዚኸይድ ምግባር ወይ ንሓንካስ ከም ዚጎዩ ምግባር ዘይኮነስ፡ ንሓደ ሰብ ጸረ-ማሕበረሰብን ሃዋኽን ምሕረት ዘይፈልጥን ነይሩስ ብመንፈሳዊ/ስነልቦናዊ ኣገባብን ሜላን ሓልዮትን (psychotherapy) ነቲ እንስሳዊ ባህርያቱ ገዲፉ ናብቲ ሰብኣዊ ባህርያቱ ከም ዚምለስ ምግባር ኢዩ። 

ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ናይ ወድሰብ ማሕበራዊ ናብራ ለውጢ ኪመጽእ ይኽእል። ንዓለምና ዘላቒ ጥቕሚ ዚህባ  ድማ፡ ነቶም ብኣካል ዝዓወሩን ዝሰንከሉን ዝሓመሙን ከም ዚርእዩን ዚጥዕዩን ምግባር ዘይኮነስ፣ ነቶም ብልቢ ዝዓወሩ፡ ብኣእምሮን ኣተሓሳስባን ዝሰንከሉ፡ ብስነልቦናዊ መገዲ ዝለመሱ፡ ከም ዚርእዩን ዚበራበሩን ዚነጥፉን ብፍትሓዊ መገዲ ከም ዚኸዱን ምግባር እዩ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com