Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣገዳሲ ሃገራዊ ምኽሪ ካብ ሰራቒ ………..

ስርቂ እቲ ፈላሚ ናይ ወድሰብ ሞያ እዩ እንተ በልና ምግናን ኣይኮነን። ግን ጎነጽን ቅትለትን ማእሰርትን ስለ ዘበዝሖ፡
ኣብ ቅድሚ ሕጊ ድማ ደው ኪብል ስለ ዘይከኣለ፡ ሞያ ምዃኑ ኣቋሪጹ ብኻልእ መገዲ ኪነጥፍ ጀሚሩ።
ገለ ሰባት ንንግዲ ከም ብተዘዋዋሪ መገዲ ዚካየድ ስርቂ ኢዩ ይብሉዎ። ብገለ ወገናቱ ሓቃቶም ኢዮም። ግን ጎነጽን
ማህረምትን ቅትለትን ስለ ዘይብሉ፡ ዝሓሸ ስርቂ ኢዩ ክንብሎ ንኽእል። ከምዚ ክብል ከሎኹ፡ ንንግዲ ብኣልማማ
ኣይኮንኩን ዝወቅስ ዘሎኹ፡ ምናልባት 10 ሚእታዊት ንግዲ ጥራይ ከም ሕጋዊ ስርቂ ክንርእዮ ንኽእል ኢና።
ካብ ገለ ሃገራት እስያ ናብ ኣፍሪቃ ዚሽየጥ ኣቕሑ እንተ ርኢና፡ ብሓቂ ንግድን ስርቅን ፍልልዩ ምጠፍኣና ነይሩ። ኣብ
ሰዓት እትሓርር ላምባዲና፡ ሓርጭ ዝመልአ ከኒና፡ ጸጕርኻ ዚመልጥ ሻምፑ ወዘተ.። በዝን ክንድዝን ኣፍሪቃ
ብቢልዮናት ኣቓርሽ ክትዝመት ትረአ ኣላ።
ዝኾነኾይኑ፡ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ክኣቱ፣ ንሱ ድማ ክንደይ ደፋራት ሰረቕቲ ከም ዘለዉ ንምግላጽ ኢዩ።
ሓደ ህቡብ ሰራቒ፡ በቲ ዳርጋ መዓልታዊ ዝሰርቆ ነኣሽቱ ነገራት ናብ እንዳ ዳኛን ናብ ቤትማእሰርትን ምምልላስ
ለሚዱዎ ነበረ። እቲ ዚሰርቆ ዝነበረ ነገራት ነኣሽቱ ብምዃኑ፡ ሓደ ክልተ መዓልታት ተኣሲሩ ይወጽእ፡ ኣዝማዱ ድማ
ይወሓሱዎ ወይ ካሕሳ ይኸፍሉሉ ነበሩ።
በዚ ዝሰልከየ ናይታ ንእሽቶ ዓዲ ዳኛ ከምዚ ብምባል ነቲ ሰራቒ ይውከሶ፥
ስማዕስከ፡ ንኣኻ ብምርኣይ እኮ ደኺመ፡ መዓልቲ መዓልቲ ዲኻ እትሰርቕ፡ ኣይትደክምን ዲኻ? ኣይስልችወካን
ዲዩ? ካን ዕረፍቲ ዘይብሉ ስርቅን ፍግርን?……………….
ሽዑ እቲ ሰራቒ ኣፍልቡ ነፊሑ ከምዚ ኪብል መለሸ፥
ክቡር ዳኛ፡ ብሓቂ ኣብ ሰሳልስቲ ክመጸኩም ከሎኹ ከም እትጸልኡኒ ክግምት እኽእል እየ። ኣይተዕርፍን ዲኻ
ምባልኩም ውን ኣይተጋጌኹምን። ይኹንምበር፡ ኩሉ ሰብ ከማይ ከይሰልቸዎ፡ ደኺመ ከይበለ፡ ከይተሓለለ እንተ
ዚሰርሕ ነይሩ፡ ሃገርና ኣበይ ምበጽሐት ነይራ!!!!!!!!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com