Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ኣብ ስርቂ እተመርኮሰ ፍትሒ ………..

ዳኛ ኪብሃል ከሎ መቸም ጥዑይ ስም ኪህሉዎ ኣይክእልን። ኣብ ዓለምና ምስ እንርኢ፡ ጉቦ ዚብሃል ቃል ኪፍጠር
ዝኸኣለ፡ ነገራት ብፍትሒ ኪረኣዩ ኣለዎም ዚብል ሓሳባት ምስ ሰፈነ ኢዩ። ኩሉ ብሚዛናዊ መገዲ ኪፍታሕ፡
ኪከሓስ፡ ኪቕጻዕ ይግባእ ዚብል ኣካዪዳ ግን ኣፍኣዊ ደኣዩ ነይሩ ምበር፡ ቤትፍርዲ ጌና ኪፍጠር ከሎ፡ ምስኡ ድማ
ጉቦን ብልሽውናን ከም እተፈጥረ ንኹሉ ሰብ ብሩህ ኢዩ። ደርሆ ሒዝካ ናብ እንዳ ዳኛ ምኻድ እውን ሽዑ ኢዩ
ተጀሚሩ ዚኸውን። ምናልባት ደራሁ ኪፈርያ ዝጀመራ፡ ንጉቦ ተባሂሉ ከይከውን ኢልካ ምሕሳብ ከም ምግንና
ከይከውን ይኽእል ኢዩ።
ኣብ ሓደ ዓዲ ኢዩ፡ ክቡር ዳኛ ናይ ከሳስን ተኸሳስን ፋይላት መጺኡዎ ከንብቦ ይጅምር። እቲ ጉዳይ እተሓላለኸን
ብዙሕ ዕዳታት ዘለዎን፡ ብገለ ወገኑ እውን ገበናዊ ተግባራት እተሓወሶን ኢዩ ነይሩ። ንምፍራዱ ኣጸቢቑ ከቢድ ኣብ
ልዕሊ ምንባሩ፡ ኣብቲ ከባቢ እውን እተፈላለየ ብየናዊ ትጽቢታት እተነብረሉ ኢዩ ነይሩ።
ስለዚ፡ ክቡር ዳኛ ሓላፍነቱ ኪዋጻእ ላዕልን ታሕትን ይብል ነይሩ። ኣብ መንጎዚ በቲ ከሳስን ተኸሳስን ክልተ
ፖስታታት መጺአንኦ። ምስ ከፈተን ድማ ኣብ ሓንቲ 12 ሽሕ ቅርሺ፡ ኣብታ ካልእ ድማ 15 ሽሕ ቅርሺ ጸኒሐንኦ።
ዳኛ፡ ድቃስ ዘይብሉ ሓደረ፡ ግን ድማ 27 ሽሕ ቅርሺ ዱብ ኢሉ ስለ ዝመጾ፡ ብውሽጡስ ሕጉስ ኢዩ ነይሩ።
ግን ከኣ፡ ሕልናኡ ኪወቕሶ ጀሚሩ። ጉቦ ወሲድካ ቄናን ምፍራድ ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣምላኽን ነውሪ ምዃኑ
ተረዲኡዎ።
ብድሕርዚ ቅድም ነቲ ከሳሲ ንበይኑ ጸዊዑ ከምዚ ዚስዕብ በሎ፥
ዝኸበርካ ከሳሲ፡ ኣነ ብሓቂ ሕልና ዘሎኒ ሰብ እየ፡ ገንዘብ ረኺበ ኢለ ድማ ቄናን ኣይፈረድን እየ። ንኹሉ ሰብ
ብማዕረ እየ ዝርእዮ። መዳለዊ ኣይኮንኩን። ስለዚ፡ ንስኻ 15 ሽሕ ሂብካኒ ኣሎኻ። እቲ ተኸሳሲ ድማ 12 ሽሕ
ሂቡኒ ኣሎ። እንካ 3 ሽሕ እሞ፡ ክልተኻትኩም ዓዓሰርተ ክልተ ሽሕ ሂብኩምኒ ኣሎኹም ማለት ኢዩ። ስለዚ
ብማዕረ እየ ዝፈርደኩም።
ነቲ ተኸሳሲ ጸዊዑ ድማ፡ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ኣቕረበሉ።
በዚ ድማ እቲ ዳኛ 24 ሽሕ ቅርሺ ሰሪቑ ከሎስ፡ ፍትሐኛ ምዃኑ ንነብሱ ኣእሚኑ ፍርዳዊ ስርሑ ጀመረ ይብሃል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com