Thursday , April 18 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. በዓልቲ-ሓዳር’ዶ ወይስ በዓልቲ-ቓንዛ?. . .

ገንዘብ ሓድሓደ ግዜ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ድሕሪ ኣምላኽ (ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ) ዚስራዕ
መሳለጢ ኢዩ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። ገለ ሰባት እናሞቱ ከለዉ እውን ንሓንቲ ህሞት ናይታ
ተሪፋቶም ዘላ ህይወት እኳ ትኹን ገንዘብ እናቖጸሩ ኪሰናበቱ ዚደልዩ ኣለዉ።
ገለ ድማ ገንዘብ ደኣ ይደልቡ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣሽሓት እንተ ተሳቐዩ ዘይግድሶም ኣለዉ። ብናይ ሰብ ቃንዛ፡
ገንዘቦም የኻዕብቱ ማለት ኢዩ።
ኣብ 50ታት ኢዩ፡ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቁሸት ኣመሪካ። ብዕድመ ቅሩብ ዝደፍኡ ኣብ ናይ ማሕረስ ሞያ እተዋፈሩ
ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ እንዳ ስኒ ወይ ደንቲስት ኮፍ ኢሎም ይጽበዩ ኣለዉ።
ተራኦም ስለ ዝበጽሐ፡ እቲ ሓኪም ስኒ እተዉ ይብሎም። ክልቲኣቶም ድማ ይኣትዉ። ብድሕር’ዚ እቲ ሓኪም ስኒ
ጸገሞም እንታይ ምዃኑ ይሓቶም። እቲ ዚምልሽ ግን እቲ ሰብኣይ ኢዩ። ከምዚ ድማ ይብል፥
እወ፡ ክቡር ሓኪም፡ ኣነ መቸም ትፈልጠኒ ኢኻ፡ እዚ ፈውሲ ቃንዛ ወይ ፈውሲ ረኽሲ ዚብሃል ነገር ብነብሰይ
ኣይፈቱንየ፡ ካብ ቀደመይ። መወሰኽ ዋጋ ኢዩ እምበር ምንም ጥቕሚ የብሉን። ስለዚ ዝኸበርካ ሓኪም፡
መደንዘዚ ወይ ካልእ ነገራት ኣይደልን እየ…..ዋጋ ከይውስኸለይ

ሽዑ እቲ ሓኪም ይገርሞ፥
ኣንታ ከመይ ዝበሉኻ ጅግና ሰብ ኢኻ፡ እሞ ንኩርምትኻ ብዘይ መደንዘዚ ከውጽኣ ከሎኹ ነቲ ቃንዛ ትኽእሎ
ማለት ዲዩ? ….. ከማኻ ዝብርትዕ ሰብ እኳ ርእየ ኣይፈልጥን!!!!!
እቲ ሰብኣይ ይምልሽ፥
ግደፍንዶ፡ ብዛዕባ ተጻዋርነት ኩሉ ሰብ ይምስክረልይ ኢዩ። ዝኾነ ኾይኑ ከምዛ ዝብለካ፡ መደንዘዚ፡ ፈውሲ
ረኽሲ፡ እዚ ኹሉ መወሰኺ ዋጋ ስለ ዝኾነ፡ በቃ ነታ ዝበዅበዀት ኩርምቲ ርኢኻ፡ ምሕው ድርብይ፡ ካልእ ስራሕ
የብልካን።
ብድሕር’ዚ እቲ ሓኪም ስኒ፥ እ………ሺ ካብ በልካስ፡ እሞ ንዓ ኣብዚ ኮፍ በል ኩርምትኻ ክርእያ
….. ይብሎ።
ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብታ ብውሽጣዊ ጽንዓትን ሓቦን እትቝንዞ ዘላ ሰበይቱ ምልስ ኢሉ፥
ኣቲ! ንዒን’ዶ ኣርእዪዮ ነታ ዝሓሰኸት ኩርምትኺ፡ ወይለይ፡ ስቕ ዲኺ ደኣ ትብሊ! ሃህ ኣብልሉ ኣፍኪ!
ኢሉዋ፡ ንብለኩም።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com