Friday , April 19 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ትካል ልመና (MultiAngolo Share Company). . .

ልመና ባዕሉ ነብሱ ዝኸኣለ ስነ-ቁጠባ ኢዩ። ብቐረብን ጠለብን ከኣ’ዩ ዚምራሕ። ወሃብቲ ኪበዝሑ ከለዉ፡ ለመንቲ ይበዝሑ። ወሃብቲ ኪቝጥቡ ከለዉ ድማ፡ ለመንቲ ይውሕዱ። ሓድሓደ ግዜ ዝቕበባ ናይ ወሃብቲ ወይ ናይ ለመንቲ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ፡ ማለት ወሃብቲ ዘየለዉ ኸለዉ ለመንቲ ግን ይበዝሑ፡ ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ወሃብቲ ይበዝሑ፡ ግን ለመንቲ ይውሕዱ። እዚ ብናይ ልመና ኤኮኖሚክስ ኪጽናዕ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ’ሞ ሕጂ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስትና ክንሓልፍ፥

 

እቲ ለማናይ፡ ኣብ ሓደ ስትራተጅያዊ ኣንጎሎ ናይ ሓንቲ ከተማ ኮይኑ ኢዩ ዚምልን። ጻዕዳ ጨርቂ ኣብ ባይታ ኣንጺፉ፡ ስሕት ኢሉ ‘ስለማርያም’ እናበለ፡ መብዛሕትኡ እዋን ግን ኣብቲ ማርሻበዲ ደቂሱ ኢዩ ዘሕልፎ። ዝሓልፉ ሰባት ድማ ከከም ሕልናኦም ገንዘብ የውድቑሉ።

 

ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ቀደም ብጻዩ ይመጽእ። ካብ ድቃሱ ኣተንሲኡ (ኣብቲ ማርሻበዲ) ድማ ብዛዕባ ስራሑ ይሓቶ፥

 

ብጻይ፥ ከመይ ኣሎኻ ዓርኪ፡ እሞኸ ስራሕ ከመይ ኣሎ?

ለማናይ፥ ስራሕ ደሓን’ዩ፡ ግን ቁሩብ ቀዳመ ሰንበት ይኸብድ፡ ደጋጊመ ክልምን ኣሎኒ፡ ተሻረኽቲ ስለ ዝበዝሑኒ።

 

ኣብ መንጎ ዘረባኦም፡ ወዲ ናይቲ ለማናይ ካብ ኣደኡ ተላኢኹ ንኣቦኡ ገለ ኢሉ ኣብ እዝኑ ሕሽዅሽዅ ይብሎ። ሽዑ እቲ ኣቦ (ማለት፡ እቲ ለማናይ) ከምዚ ብምባል ይምልሽ፥

ለማናይ፥ ኣታ ቆልዓ፡ ክንደይ ግዜ እየ ኣብ እዋን ስራሕ ኣይትረብሸኒ ዝብለካ፡ ኣብ ሰዓታት ዕረፍቲ ምጸኒ!!!!

 

እቲ ብጻይ ይቕጽል፥

 

ብጻይ፥ ዕረፍቲ ኸ ኣሎካዶ?

ለማናይ፥ ክላ፡ ኣበይ ዘሎ ዕረፍቲ! ከምዚ ዝበለ ዕረፍቲ ዘይብሉ ስራሕ ርእየ ኣይፈልጥን!!

ብጻይ፥ ገንዘብ ከ ይርከብዶ ዲዩ?

ለማናይ፥ ገንዘብ ደሓን ኢዩ፡ ይርከቦ ኢዩ። ግን ኣይከም ቀደምን። ዝኾነኾይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ማዕዶ ዘሎ      ኣንጎሎ፡ ንእሽቶ ጨንፈር ከፊተ ኣሎኹ፡ ………እቲ ንእሽቶ ወደይ ከኣ ኣብኡ ኾይኑ ይልምን ኣሎ።

ብጻይ፥  ግርም፡ ጽቡቕ ተባላሒትካ……………

ለማናይ፥ እወ .. ኣብቲ ብየማናይ ዘሎ ኣንጎሎ ድማ፡ ብበዓልቲ ቤተይ ዚካየድ ጨንፈር ከፊተ ኣሎኹ። ድምጻ ብርቱዕ           ስለ ዝኾነ፡ ጽርግያ ተሳጊሮም ኢዮም ዚተዅቡላ።

ብጻይ፥ ግርም፡ ኣንታ ንስኻስ ከመይ ዝበልካ ኢኻ። ኩሉ ሰብ ከማኻ እንተ ዚኸውን፡ እዛ ሃገርና ኣበይ ምበጽሐት           ነይራ!

ለማናይ፥ ሓቅኻ፡ ኣይተጋገኻን፡ ………. ኣብዛ እትመጽእ ሰሙን ድማ፡ ነቲ ዓቢ ወደይ፡ ኣብቲ ዓቢ ጎደና፡ ናይ ማርከቲን መጽናዕቲ (feasibility study) ከካይድ ወዚዐዮ ኣሎኹ። መጽናዕቲ ኣጠናቒቑ ምስ ወደአ ድማ፡ ሓማተይ ኣብኡ ኮይና ንኽትልምን ኣፕላይ ገይራ ስለ ዘላ፡ ነቲ ጉዳያ ባዕለይ ሒዘዮ ኣሎኹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com