Friday , March 29 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ክልተ ሜትሮ መትኒ ዝጎደሎ ሓንጎል (The Limits of Absurdity)  . . .

ቀደም ዘመን ወድሰብ ብኮላሊቱ ይሓስብ ከም ዝነበረ ኢዩ ዚግመት ዝነበረ። ጸኒሑ ገለ ናይቲ ግዜ’ዚ ፈላስፋታት፡ ኣይፋልን፡ ወድሰብ ብኸብዱ ኢዩ ዚሓስብ ኪብሉ ጀመሩ። ብድሕሪኡ ድማ ገለ ናይቲ ግዜ’ቲ ምሁራን፡ ኣይፋልን፡ ወድሰብ ብልቡ ኢዩ ዚሓስብ ምባል ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ባዮሎጂ ዘጽንዑ ሰባት፡ ወድሰብ ብሓንጎሉ ከም ዚሓስብ ኣረጋገጹ።

 

ይኹንምበር፡ ናይ ገሊኡ ሰብ ኣተሓሳስባ ክትርእዮ ከሎኻ፡ ብሓንጎሉ ዘይኮነስ፡ ብኮላሊቱ ዚሓስብ ዘሎ ኢዩ ዚመስል። እስከ ንወይዘሮ ዳዕሩ ንመልከተን፥

 

ወይዘሮ ሳግሉ፡ ናብ እንዳ ወይዘሮ ዳዕሩ ክትበጽሕ ምስ ከደት፡ ኣብቲ ቤትኣጋይሽ ንመስኮት ዝሸፈነ ግሩም መጋረጃ ትርኢ። ኣብ መንጎ ዕላል ድማ፡ ብዛዕባ’ቲ መጋረጃ ዕላል ይጅምራ፥

 

ወይዘሮ ሳግሉ፥ እዚ ገዛኹም ኣሰራርሓኡ ልክዕ ከም ናትና ኢዩ። ሓደ መሃንዲስ ኢዩ ቀዪሱዎ። ወላ እቲ መሳዅቲ ኩሉ ይመሳሰል፡ ቁመቱን ስፍሓቱን ወዘተ.። ነቲ ናይ ቤትኣጋይሸይ ክልተ መሳዅቲ ከምዚ ናትኩም መጋረጃ ክገብረሉ ደልየስ ክንደይ ሜትሮ ወዲኡልኪ?

ወይዘሮ ዳዕሩ፥ ሸሞንተ ሜትሮ። ዋጋ ግን ቁሩብ ክብር ኢሉ’ዩ።

ወይዘሮ ሳግሉ፥ ደሓን፡ ኣነ ልክዕ ከምዛ ናትኪ መጋረጃ እየ ዝደሊ። ወላ ይኽበር።  ስለዚ ሸሞንተ ሜትሮ እየ ዝብሎም።

ወይዘሮ ዳዕሩ፥ ልክዕ! ሸሞንተ ሜትሮ ምስ በልክዮም፡ እቲ ውርዱን ስፍሓቱን ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ይፈልጡዎ ኢዮም። ጥራይ ሸሞንተ ሜትሮ በልዮም።

 

ብድሕር’ዚ ወይዘሮ ሳግሉ ንዕዳጋ ወሪዳ ሸሞንተ ሜትሮ ናይ መስኮት መጋረጃ ዓለባ ዓዲጋ ንቤታ ትምለስ።

 

ኣብ ሳልስቲ ድማ ኩሉ ስራሕ ይውዳእ፡ መጋረጃ ድማ ይስቀል፡ ግን………. ክልተ ሜትሮ ዓለባ ንብላሽ ይተርፍ። እቲ መሳዅቲ ብሽድሽተ ሜትሮ ተሸፊኑ ኢዩ።

 

ድሕሪ ሰሙን፡ ወይዘሮ ሳግሉ ናብ እንዳ ወይዘሮ ዳዕሩ ትኸይድ፥

ወይዘሮ ሳግሉ፥  ኣቲ ዳዕሩ መዓረይ፡ ዋይ! ስቕ ኢለ እየ ንብላሽ 8 ሜትሮ ዝዓደግኩ። 6 ሜትሮ ይኣክል ነይሩ እንድዩ። ኩሉ ተሰፋፊዩ ምስ ተወደአ፡ 2 ሜትሮ ዚድርበ ተሪፉ! ወይ ጸገም!

ወይዘሮ ዳዕሩ፥  እዋይ፡ ንዓኺ ድማ ከምኡ ተሪፉኪ ሳግሉየይ?! ንዓይ ድማ ልክዕ ከምዛ ናትኪ ክልተ ሜትሮ ተሪፉኒ። ኢለኪ እንድየ፡ ክልቲአን መሳዅትና ሕደ ኢዩ ዓቐነን። ዘገርም እኮዩ!!!!!!!!!!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com