Friday , March 29 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ደስታ ዝመልኦ መሃይምነት (Blissful Ignorance) . . .

ገለ ሰብ ኣሎ ነቲ ሓንጎሉ ኪገርሖ ወይ ኪእዝዞ ወይ ኪዅስኩሶ ዘይደሊ። ከምቲ ዘይተዀስኮሰ መሬት ቃዲሩ
ዚተርፍ፡ ዘይተዀስኮሰ ኣእምሮ ድማ ይቓድር ኢዩ።
መብዛሕትኡ ሰብ፡ ኣብ ድንቁርና እውን ቅሳነት ይረክብ ኢዩ። እንታይ ገደሰካ ትመራመር፡ እንታይ ገደሰካ ንሓንጎልካ
ሞኽ ተብሎ። ባዕሉ ድላዩ ይግበርን ይእመንን። ወይ ድማ ሓንሳእ ነቲ እትኣምኖ ነገራት ዳውንሎድ ግበረሉ'ሞ
ብድሕሪኡ ኣይትመለሶ፡ ግደፎ፡ ዕረፍቲ ሃቦ። ነቲ ፓስዎርድ እውን ደርብዮ!
ከምዚ ዚገብሩ ሰባት፡ ቅሱናት ኢዮም፡ ግን መወዳእትኦም ጸገምን ስቓይን ኢዩ። መስሓቕ ሰብ ኮይኖም ዚተርፉ
እውን ብዙሓት ኢዮም።

ክልተ ኣመሪካውያን ኢዮም ብዕድመ ዝደፍኡ። ውላድ ስለ ዘይብሎም፡ ህጻን ከዕብዩ ደልዮም። ስለዚ ናብ ሓደ
ሆስፒታል ከይዶም፡ ሓደ ካብ ዚውለድ ወርሒ ዝገበረ ዕሸል ይረኽቡ። እዚ ዕሸል'ዚ ቻይናዊት ዝኾነት ኣዲኡ
ክትሓርሶ ከላ ኢያ ሞይታ። ስለዚ ዘዕብዮ ስለ ዘየለ፡ ነቶም ክልተ ኣመሪካውያን ከም ውላዶም ገይሮም ከዕብዩዎ
(ኣዶፕት ኪገብሩዎ) ብወግዒ ይውሃቦም።
ሒዞምዎ ንገዝኦም ይኸዱ።
ብድሕር'ዚ ኣብ ሓደ ምሸታዊ ናይ ቋንቋ ቤትትምህርቲ ይምዝገቡ። ኣብኡ ድማ ቋንቋ ቻይና ኪምሃሩ ይጅምሩ።
ነዚ ዘስተብሃለ ጎረቤቶም፡ ስለምንታይ ቋንቋ ቻይና ይመሃሩ ከም ዘለዉ ይገርሞ። ምኽንያቱ ኪፈልጥ ድማ
ይሓቶም።
ንሳቶም ነቲ ጎረቤት ዘስደመሞ ሓበሬታ ብምሃብ ከምዚ ኪብሉ ይምልሹ፥
እዚ ሓድሽ ወድና፡ ጌና ኣፍ ኣይከፈተን። ክልተ ወርሒ እውን ኣይመልአን። ይኹንምበር፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡
ምዝራብ ምስ ጀመረ፡ ዓሌቱ ድማ ቻይናዊ ስለ ኾነ፡ ክንርድኦ ኣይክንክእልን ኢና። ስለዚ ቋንቋ ቻይና ምምሃርና፡
ተዳሊና ክንጸንሕ ስለ ዝደለና ኢዩ፡ ብምባል ነቲ ጎረቤት ዘስደምም መልሲ ሂቦምዎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com