Saturday , April 20 2024

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ናይ ህጻናት ዓለም ………..

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣመሪካዊት ቁሸት፡ ሓደ ካህን ኣብቲ ህጻናት ዚሳተፉሉ ናይ ሰንበት ትምህርቲ፡ ነቶም ህጻናት ነቲ ናይ ርህሩህ ሳምራዊ ዛንታ በቲ ንኣታቶም ዚርድኦም መገዲ ገይሩ ከዘንትወሎም ይውስን። ከምዚ ድማ ይብሎም፥

 

”ገለ ጎሓሉ ንሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ንኺወስዱ ይሃርሙዎ፡ ንብረቱ ወሲዶም ድማ ኣብ መገዲ ደርቢዮምዎ ይኸዱ። ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ በዓል ማኪና በቲ መገዲ ይሓልፍ፡ ነቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ርእዩዎ ድማ መገዱ ይቕጽል። ካለአይቲ ማኪና ትመጽእ፡ ሕጂ’ውን እቲ በዓል ማኪና ርእዩ ከም ዘይረኣየ ስቕ ኢሉ ይሓልፍ። ኣብ መወዳእታ ግን፡ ሓደ በዓል ማኪና፡ ነቲ ሰብ ኣብ መሬት ተጸጢሑ ምስ ረኣዮ፡ ካብ ማኪናኡ ወሪዱ ናብኡ ከይዱ ይኣልዮን ይከናኸኖን። ኣብ ማኪናኡ ዝነበረ መግቢ ኣምጺኡ የብልዖ፡ ጽማቝ የስትዮ፡ ሓይሊ ንኺረክብ ቸኮላታ የብልዖ፡ ተሰኪሙ ናብ ማኪናኡ የእትዎ፡ ዘድልዮ ኩሉ ድማ ይገብረሉ………”

 

ብድሕር’ዚ እቲ ካህን ”ስለዚ ህጻናት፡ ካብዚ ዛንታ’ዚ እንታይ ኢና እንምሃር?” ብምባል ነቶም ህጻናት ይሓቶም። ኩላቶም ኣእዳዎም ዊጥ የብሉ። እቲ ካህን ንሓንቲ ጓል ክትምልሽ ይፈቕደላ።

 

ሽዑ እታ ጓል ብዓቢ ድምጺ፥

” ኣብ መገዲ ወዲቕና ክንጸንሕ” ብምባል ነቲ ካህን ዘስደመመ መልሲ ትህብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com