Thursday , April 25 2024
Hanna Franzén/TT

ሽወደናዊት ኣክቲቪስት Greta Tunberg ምስ ጳጳስ በነዲክት መበል 16 ተራኺባ።

እዛ 16 ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት መንእሰይ ረቡዕ መዓልቲ እያ ኣብ ሮማ ምስ ጳጳስ ተራኺባ። ርክቦም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ኣንጻር ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ እዩ።

ግሬታ ሓንቲ ጓሉ ንደራሲን ተዋሳይን Svent Tunberg ከምኡ’ውን ህብብቲ ኦፔረኛ Malina Eherman እያ።

ንሳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣዝዩ ሕያዋይ ሰባኣይ እዩ። ክቕጽሎ ኸኣ ኣተባቢዑኒ’ሎ” ኢላ። ግሬታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኤስፐርገር ሲንድሮም ዝተሰምየ ዓይነት ሕማም ኦቲዝም ከም ዘለዋ ብሓካይም ተነጊርዋ ኔሩ። ከምዚ ዝበለ ሕማም ዘለዎም ሰባት ዝያዳ ተነቀፍቲን ናይ ምዃን ባህሪ ከም ዘማዕብሉ ይፍለጥ።

እዚ ተነቃፍነት ጓል 8 ዓመት ካብ ዝነበረትሉ ግዜ ኣትሒዛ ብዛዕባ ክሊማዊ ለውጢ ድሕሪ ምስምዓ ናብ ውሽጣ ከም ዝሰረጸ ከኣ ትገልጽ።

ዓበይቲ ሰባት ስለምንታይ ነዚ ሽግር ክፈትሑ ኣይከኣሉን ኢላ ኸኣ ክትሃሓስብ ጀመረት። ድሕሪ ግዜ ብዛዕባዚ ምስ ወለዳ ክትዛረብን እቲ ጒዳይ ክሳብ ክንደይ ኣተሓሳሳቢ ከም ዝኾነ ንምግላጽ ቪድዮታት ክርእዩ ትገብር ኔራ።

ድሕሪዚ ነቲ ሓሳብ ናብቲ እትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ወሲዳቶ። ብዙሓት ኣሰራ ክስዕባ ዝደልያ ተመሃሮ ኸኣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ክውደባ ጀሚረን። ዓርቢ ዓርቢ ታቤላ ብምሓዝ ብጽንዓት ንንዊሕ ሰዓታት ደው ምባል ጀሚራ።

ግሬታ ኣብ ዓለማዊ ኤኮኖምያዊ ዋዕላ መደረ ከተስምዕ ተዓዲማ ኔራ። መንግስታት ነዚ ሽግር ኣብ ምእላይ ቅልጡፍ ስጒምቲ ብዘይምውሳዶም ከኣ ወቐሳ ኣቕሪባ።

“ኣብ 2078 መበል 75 ዓመተይ ከኽብር እየ፥ ሽዑ ዝነብሩ ህጻናት ስለምንታይ መራሕቲ ሃገራት ቅልጡፍ ስጒምቲ ዘይወሰዱ ኽሓቱኒ እዮም። ደቅና ልዕሊ ኩሉ ኢና ንፈቱ ትብሉ እንተኣዄንኩም ስለምንታይ መጻኢኦም ትሰርቅዎም ኣለኹም” ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com