Thursday , April 18 2024

ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ።

ኣብ ማእከላይ መዋእል ከም እተሃነጸ ዝእመነሉ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰፈሩ ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ።

እዚ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ተሰሪሑ ዝበሃል ናይ ዕንጸይቲ ቅርጻ ፈለማ ኣብ ፖርቱጋል እዩ ተረኺቡ።

ሓድሽ ወናኒ እዚ ቅርጻ ብቅንዕና ከም ዝገዝኦን ጸኒሑ ኣብ ትራንኪል ቫርምላንድ ከም ዝሸጦን ይዛረብ።

“እታ ቅርጻ ተገዚኣን ናብ ቦትኣ ክትምለስ 120 ሽሕ ክሮ ከም ዝወደአት ተገሊጹሎ” ክብል ላዕለዋይ ቀሺ ፒተር ሶደርቢክ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com