Thursday , April 25 2024
Vegard Wivestad Grøtt / NTB scanpix / TT

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ይቕጽል ።

ሓደጋ ምንሽርታት በረድ ኣብ ሽወደን ዓርቢ መዓልቲ’ውን ከም እተራእየን ፈለማ ብማእከል ምክትታል ግጉው በረድ እተዋህበ መጠንቀቕታ ኣብ ቦትኡ ምህላዉን ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ።

እዚ መጠንቀቕታ ዝሽፍኖም ዞባታት ኣውራጃ ኦስተርጎትላንድ ሶደርማላንድ ይቨልሁፕሪ ዳላርናን ቨስተርቩርላንድ እየን።

እቲ ማእከል ከም ዝሓበሮ ምንሃል መሬት ዝኽሰት ዝናብ ኣብ ዝሑል ግጉው በረድ እንክሃርም እዩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሙቐት ልዕሊ ዜሮ ብምዃኑ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ ክውሕድ ይኽእል እዩ።

እቲ ማእከል ብተወሳኺ ምስ ምቅይያር ክሊማ ሓደጋ ምንሽርታት ካብ ዞባ ናብ ዞባ ክፈላለ ከም ዝኽእልን ሰባት ኣድላዪ ጥንቃቕ ክገብሩን ተላብዩሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com