Thursday , April 18 2024
SVT/TT

ሓደ ቆልዓ ብህያብ ልደት ስለዘይተሓጐሰ ፖሊስ ይጽውዕ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመትጀርመናዊ ወለዱ ክህብዎ ብጽሑፍ ዝሓበሮም ህያብ ልደት ብዘይምርካቡ ንፖሊስ ምጥርዑ ተገሊጹ።

ፖሊስ ናብቲ ዝተሓበሮም ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓደ ቆልዓ ምርካቦም ጋዜጣ ኖርድዌኣት ዘይቱንግ (Nordwest-Zeitung)ገሊጻ’ላ።

ቆልዑ ዝደልይዎ ህያብ ምስ ዘይረኽቡ ባህ ከም ዘይብሎም ርዱእ እኳ እንተኾነ ከምዚ ቆልዓ ጌሮም ግብረመልሲ ክህቡ ግና ልሙድ ኣይኮነን።

እቶም ፖሊስ ነቲ ቖልዓን ወለዱን ብምትዕራቕ ድባብ ልደት ንምምላስ ጽዒሮም።

እቲ ዝተፈጥረ ሽግር ሳንታ ክላውስ ስራሕ ስለ ዝጸዓቖ ናትካ ህያብ ብጌጋ ንኻልእ ቆልዓ ስለዝሃቦ እዩ ብምባል ነቲ ህጻን ክሃድእ ጌሮም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com