Friday , April 19 2024

ሓደ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ሞይቱ –ምርመራ ተወዲኡ

ሓደ 15 ዓመት ዝዕድመኡ ቆልዓ ብኸልቢ ተነኺሱ ከም ዝሞተ። ንሱ ኣብ ናይ ፎስተርሀም ወይ ናይ መዕበያ ቤት ይቕመጥ ነይሩ። እቲ ናይ ማሕበራዊ ምምሕዳር ዩስናይበርይ ነቲ ምርመራኡ ዛዚሙዎ እዩ።

ናይቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ድኽመት የርኢ። ግን ከኣ እቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ምስቲ ፍጻመ ምንም ምትእስሳር የብሉን ኪብል ሓቢሩ ናይ ኦረብሩ STV።

ኣብቲ ዝገበርናዮ ምርመራ ኣብ መንጎ ኣሰራርሓናን እቲ ፍጻምን ምንም ምትእስሳር ከም ዘየልቦ ርኢና፡ ትብል ሱሳን በርይስትረም፡ ማሕበራዊ ሓላፊት ኣብ ናይ ኦረብሮ ኮሙን ን STV።

ዝሓለፈ ሓምለ እዩ እቲ ቆልዓ በቲ ናይ ኣመሪካ ናይ ቡልዶግ ዘርኢ ዘለዎ ኸልቢ እተጠቕዐ። እቲ ቆልዓ ኣብ ጎረሩኡ ምስ ተጠቕዐ ሽዑ ሽዑ ሞይቱ። እቲ ከልቢ ድማ ተቐቲሉ።

ናይቲ ማሕበራዊ ምምሕዳር ምርመራ፡ ኣብቲ ምስናድን ኣብ ምምዝጋብን ምሕባርን መዕበያ ህጻናት ድኽመት ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብመሰረት ገምጋምና እቲ ድኽመት ነቲ ምደባ ቆልዑ ኣይጸለዎን፡ ይብል ሱሳን በርይስትረም።

ብተወሳኺ እቲ ፍጻመ ብፖሊስ ይምርመር ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com