Thursday , April 25 2024
Jessica Gow/TT

ሓደ ቢልዮን ክሮነር፡ ንመሕወይ ናይ ካሕሳ ሓገዝ

ካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን ማለት ፎርሸክሪንካስሳን፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ንደሞዝ ናይ ዝኸፈሎ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ክሮኖር ዝግምገም ካሕሳ ክወሃቦ ሓቲቱ ክብል ኤስ. ቪ. ቲ. ኒሀተር ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ፡፡

ኣብ ዓመተ 2020 ን 2021ን ጥራይ ልዕሊ 460 ሚልዮን ክሮኖር በጺሑ ከምዝነበረን እዚ ድማ ካብ `ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ኣጸቢቑ ከም ዝዛይድን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣነጺሩ፡፡ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፡ እዚ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጠለብ፡ ውጽኢት ናይ ዝሓሸ ምትሕብባር ምስ ካልኦት መንግስታውያን ትካላት ምዃኑ ይገልጽ፡፡

ነተን ኣብ ጨንፈር ኢንዳስትሪ ካብ ዘለዋ ቀዳሞት ተወዳደርቲ ዝኾነት ሁማና (Humana) ሓዊስካ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ኮነ ናእሽቱ ኩባንያታት፡ ፍታሕ ረኺበን እየን፡፡ ትካል ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን፡ ሓደ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረአ ውጥን ብምርካቡ፡ ትካል ሁማና፡ 9.5 ሚልዮን ክሮኖር ንክኸፍል ትጽቢት ይገብር፡፡ ድሕሪኡ ውን ናይ ሓደ ኣብ ናይ መዓልቲ ስራሕ ዝነበሮ ተጠቃሚ ግን ከኣ ናይ ለይቲ ስራሕ ከም ዝረኸበ ዝሕብር ዝሃቦ ጸብጻብ ምልክት-ሕቶ ድሕሪ ምብጋሱን ከም ዝኾነ ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ `ሎ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ኩባንያ ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ነጺጉዎ ይርከብ፡፡

ኣብ ዓመተ 2021፡ መንግስቲ ንናይ ካሕሳ ሓገዝ ዝገበሮ ወጻኢታት፡ ኣስታት 24.4 ቢልዮን ክሮኖር ከምዝኾነ ይግመት፡፡


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com