Thursday , April 25 2024

ሓደ ትካል ሽወደን ን ምድሓን ቖልዑ ሶርያ ጻዊዒት ኣቕሪቡ!!

“ህጻናት ኣድሕን” ዝተባህለ ትካል መንግስቲ ሽወደን ኣብ ሶርያ ንዝርከቡ ስድራቤት ዕጡቓት ክመልስ ጻውዒት ኣቕሪቡ። እዚ ትካል ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ስድራቤት ዕጡቓት ዝኾኑ ዜጋታት ሽወደን ብፍላይ ቈልዑ ክመልስን ጒዳዮም ኣብ ሽወደን ክምርምሮ ከም ዝግባእን ኣብቲ ጻውዒቱ ኣመልኪቱ’ሎ።

ብመሰረት ሰብመዚን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ሽውደን ኣብ መዓስከራት ሶርያ ካብ 60 ክሳብ 80 ዝበጽሑ ቆልዑ ሽወደናውያን ከርፋሕ መነባብሮ ኣብ ምሕላፍ ይርከቡ’ለዉ። በዚ ድማ ኣብ ሰሙን ገለ ካብዞም ቆልዑ ናይ ሞት ሓደጋ ይበጽሖም ኣሎ ተባሂሉ። ብፍላይ ምስ ምምጻእ ሓጋይ እዚ ኲነታት ኣጸቢቑ ክጋደድ ከም ዝኽእል ተመልኪቱ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ ትካል “ቆልዑ ኣድሕን” መንግስቲ ሽውደን ኣብነት ፈረንሳ፡ ሩስያን ካልኦትን ብምኽታል ንዜጋታቱ ካብ ሶርያ ከውጽእ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com