Saturday , April 20 2024
Niklas Hagman/TT

ሓደ ኣቦ 2 ደቁ ድሕሪ ምቕታሉ ነፍሰ ቕትለት ፈጺሙ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ Expressen እዚ ኣብ Sala ዝቕመጥ ሰብኣይ ክልተ ደቁ ድሕሪ ምቕታል እዩ ነፍሰ-ቕትለት ፈጺሙ።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ብትግሃት ይሳተፍ ከምዝነበረ፥ ቅድሚ ነፍሰቕትለት ምፍጻሙ ከኣ ቅድሚ ምሟቱ እንታይ ከም ዝገበረ ኣብ ፌይስቡክ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ፈንዩ’ሎ።

ፖሊስ ካብ ምምሕዳር ከተማ sala ድሕሪ ዝመጾም ጻውዒት እቲ ፍጻመ ክዉን ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሬሳ ሓደ ሓምሳታት ዝዕድሚኡ ሰብኣይን ክልተ ቈልዑን ከም ዝጸንሕዎም ገሊጾም ኣለዉ።

“እቲ ሰብኣይ ብጥይት እዩ ነቲ መቕተልቲ ውዒልዎ። እታ ብረት ኣብኡ ተረኺባ ኣላ” ይብል ኣፈኛ ፖሊስ Västmanlandspolisen ንጋዜጣ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ።

እዚ ሰብኣይ ኣብ መጀመርታ ዓመታት 2000 ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ስፖርት ይወዳደር ምንባሩን ዓወት ምምዝጋቡ ይኹንምበር ብዘይካ ስፖርት ንኻልእ ጒዳይ ግዲ ይገብር ዘይምንባሩን ተገሊጹ’ሎ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ እቲ ሰብኣይ ፌይስቡክ ነዚ ክስርዝዎ ይኾኑ እዮም ግና ነፍሰይን ደቀይን ይቐትል ምህላወይ ይፈለጠለይ ኢሉ።

ነዚ ጒዳይ ኣጸቢቑ ከም ዝሓሰበሉን ዕዳኡ ከፊሉ ከም ዝዓጸወን ገሊጹ’ሎ። እታ ንሱ ዝመልኣ ቪድዮ ትማል ሰዓት 10 ምሸት እዩ ፈንዩዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com