Thursday , April 25 2024
Foto; Henrik Montgomery / TT kod 10060

ሓደ ክኢላ፡ “ቱርኪ ኣባልነት ሽወደን ናብ NATO ንኽትቅበል ኣዋርሕ ክወስደላ ይኽእል እዩ”

ቱርኪ፡ ን ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክሳብ ትቕበል፡ ኣዋርሕ ክወስድ ከም ዝኽእል፡ ፕሮፌሰር ኣህጒራዊ ዝምድናታትን ክኢላ መጽናዕቲታት ቱርኪን ሑሰይኒ ባቺ ገሊጹ። ቱርክ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ብ ውልቃ እትወዳደር ኣባል ባይቶ ኣሚነ ካካባቬን ዝተገብረ ስምምዕ ብብርቱዕ ከም እትነቕፎ ዝገለጸ እቲ ፕሮፌሰር፡ ሽወደን ነቶም ቱርክ ግብረሽበራውያን ኢላ ዝሰመየቶምን ኣብ ሰሜን ሶርያን ቱርክን ዝንቀሳቐሱ ገለ ጒጅለታት ክትሕግዝ ምምብጻዓ ከም አይትቕበሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ኣሚና እንድሕሪ ኣብ ባይቶ ዘይትህሉ ኮይና፡ እቲ ኲነታት ብርግጽ ክቕየር ይኽእል እዩ” ክብል ባቒ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com