Thursday , April 25 2024
Heléne Grynfarb/Scandinav

ሓደ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ብሰንኪ መስተ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሓደ ዘዋሪ ኣውቶቡስ ቤትትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ኣልኮላዊ መስተ ክሰቲ ብምርካቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ኣልኮላዊ መስተ ዝስተየ ኣውቲስታ መመላለሲት ተመሃሮ ብዙሓት ተመሃሮ ጽዒኑ ካብ ምምሕዳር ከተማ Västra Gotland እናኸደ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ሽወደን ሎሚ ንግሆ ኣፍሊጦም።

ፖሊስ ነቲ ኣውቲስታ ብመዐቀኒ መጠን ኣልኮል ድሕሪ ምምርማር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ንዝያዳ መርመራ ናብ መደበር ፖሊስ ኣረኪቦሞ’ለዉ።

ኣብ ደሙ ዝህሉ መጠን ኣልኮል ኣብ ምምርማር ከም ዝርከቡ’ውን ተፈሉጡ’ሎ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣውቲስታ ፍቓድ መዘወሪኡ ተሓዲጉ ኣሎ።

እቲ ቤት ትምህርቲ እንታይ ዓይነት ስጒምቲ ከም ዝወስደሉ ግና ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር የሎን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com