Thursday , April 25 2024
Foto: Stina Stjernkvist / TT Kod 11610

ሓደ ፖለቲካዊ ስነፍልጠተኛ፡ ገለ ወግዒታት ባይቶ ዳግመ ግምት ክግበረሎም ኣለዎ።

ድምጺ ባጀት ጽድያ ኮነ ኢሎም ድሕሪ ምውዳቕ፡ ከምኡ’ውን ናይ ተቓወምቲ ሰልፊታት ናይ ምምሕያሽ ድምጺ ብምውዳቕ መንግስቲ ልዑል ጡረታ ዘለዎ ሓድሽ እማመ ባጀት ጽድያ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ከውጽእ እዩ ተባሂሉ። እዚ ኣብ ባይቶ እንድሕሪ ተዓዊቱ፡ ሕዳጣን መንግስቲ እተመሓድር ዘላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግድሌና ኣንደርሾን ናይ ገዛእ ሰልፋ ባጀት እተካውነሉ ናይ ፈለማ ግዜ እዩ ክኸውን። ኣብ ባይቶ ዝነበረ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቶክሆልም ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ያን ትዮረል፡ ገለ ወግዒታት ባይቶ ዳግመ ግምት ክግበረሎም ኣለዎ ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com