Friday , March 29 2024
Foto: TT

ሓድሽ ሕጊ ንስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ጸሊም ሽቕለት ንኽድርት ዝሰፍሐ ስልጣን ይህቦ።

እዚ ሕጊ ስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ጸሊም ሽቕለት ንኸጒድልን ምትላል ቀረጽን ንኽጠፍእ ከኽእሎ እዩ።

ኣብ ትሕቲዚ ሕጊ ኩባንያታትን ኣስራሕቲን ኣብ ክንዲ ክሳብ ሎሚ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ዓመታዊ ጸብጻብ ወርሓዊ ጸብጻባቶም ናብ ስካተቨርከት (ቤትጽሕፈት ቀረጽ) ከቕርቡ እዮም።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን ኣብ ስቶክሆልም ዘለዋ 320 ሽሕ ኩባንያታት ጥራይ እየን በዚ ሕጊ ክቕየዳ። ሽወደን ኣብ ዝተፈላለያ ጽላታት ዝነጥፋ 1.2 ሚልዮን ኩባንያታት ኣለዋኣ።

ኣብዚ ኲባንያ መን ደሞዝ ይወሃብ ኣሎ መን ይቚጸር መን ይሰናበት ኣሎ ዝዝርዝር ወርሓዊ ጸብጻብ ብዘይሕጊ ዝዓያን ቀረጽ ዝታልላን ኩባንያታት ንቒስካ ንምውጻእ ክሕግዝ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com