Tuesday , April 23 2024
This undated photo made available by the National Park Service in September 2021 shows fossilized human fossilized footprints at the White Sands National Park in New Mexico. According to a report published in the journal Science on Thursday, Sept. 23, 2021, the impressions indicate that early humans were walking across North America around 23,000 years ago, much earlier than scientists previously thought. (NPS via AP) NY897

ሓድሽ መረጋገጺ፡ ጥንታውያን ኣሜሪካውያን

ዓሌት ወዲሰብ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሕሰብ ዝነበረ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ንኣህጒር ኣመሪካ ከም ዝበጽሐ፡ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከም ዝረኸቡ ተመራመርቲ ገሊጾም።

ኣብ ኒው መክሲኮ ዝተረኽበ ኣሰር እግሪ ወዲሰብ፡ ካብ 23 ሽሕ ክሳብ 21 ሽሕ ዓመት፡ ከም ዝገበር ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ነቲ ኣብ ጒዳይ ሰፈራ ወዲሰብ ዝነበረ ኣረዳድኣ ምሉእ ብምሉእ ቀሊስዎ ምህላዉ ተመልኪቱ።

ወዲሰብ፡ ካብ ኣህጒር ኤስያ ናብ ኣመሪካ መዓስ እዩ ሰጊሩ ዝብል ሕቶ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ስነጥንቲ፡ ኣካታዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ምጽንሑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ብመሰረት እዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ መርትዖ፡ ወዲሰብ፡ ካብቲ ክሕሰብ ዝጸንሐ 7000 ዓመታት ኣቐድም ኣቢሉ ናብቲ ኣህጒር ምእታዉ ተረጋጊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com