Wednesday , April 24 2024
ስእሊ/TT

ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ዜግነት ንዘሎ ሕጊ ክትርሮ ምዃኑ ቃል ይኣቱ።

ሽወደናዊ ዜግነት ንዝሓቱ ሰባት ናይ ቋንቋ ፍልጠቶም ዝዕቅን መርመራ ክወሃቦም ምዃኑ እውን ገሊጹ’ሎ።

እዚ ውሳነ ሊበራላዊ ሰልፊ ንዝሓለፋ 16 ዓመታት ክደፍኣሉ ዝጸንሐ ሓሳብ እዩ። ሕጂ እዚ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስን ሓምላይ ሰልፊታት ዝቘመ መንግስቲ ናይ በጀት ሕቶኡ ብሊበራላዊ ሰልፊ ድጋፍ መታን ክረክብ እዚ ዝተገልጸ ለውጢ ፖሊሲ ዝተኣታተወሉ መስርሕ መርመራ ከበግስ እዩ።

ኣባል ሊበራላዊ ሰልፊ ባይቶ Gulan Avci ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እዚ ናይ ቋንቋ መርመራ ሰባት ኣብ ካልኦት ከይተመርኮሱ ብገዛእ ርእሶም ምስ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዝሕግዝ ብምዃኑ ክድገፍ ዝግብኦ እዩ ኢላ።

ብዘይካዚ ሰባት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድላቶም ክብ ብምባል ፋይናንሳዊ ንብሰ ምኽኣልን ርእሰ ምትእምማንን ከማዕብሉ ዝገብር ምዃኑ ኣስሚራትሉ።

ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶም ተመሃሮ SFI ዝኾኑ ኣሊሰን ባርነስ፡ መሓመድ ረዛን ባድርን ምልከት ቋንቋ ወሳኒ ረቓሒ ሕቶ ፓስፖርት ምዃኑ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ከም ዘሕደረሎም ገሊጾም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com