Friday , March 29 2024
Jessica Gow/TT

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብዛዕባ BREXIT ርእይትኡ ይህብ።

ሓድሽ ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት Hans Dahlgren ብሪጣንያ ነታ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዕሊ እትወጸላ ዓንቀጽ 50 ኣብ ምትግባር እንተደንጐየት መብዛሕትአን ኣባላት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅር ከም ዘይብለን ገሊጹ።

ንሱ እቲ ምድንጓይ ቅቡል ዝኸውን ግና ግዜ ዝጠልብ ዓቢ ለውጢ ምስ ዝህሉ እዩ ኢሉ።

ንኣብነት መንግስቲ ብሪጣንያ ፖለቲካዊ መስመሩ ንዘተ እንተ ኣቕሪብዎ፡ ረፈረንዱም ወይ ምርጫ ክካየድ ወይ’ውን ከምኡ ዝመስል ገዚፍ ፖለቲካዊ ጒዳይ ምስ ዝህሉ እዩ ኢሉ።

ብሪጣንያ ከምዚ ዝመሰለ ፖለቲካዊ ዕማም ንምፍጻም ዝያዳ ግዜ እንተጠሊባ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክነጽጋኣ እየን ኢሉ ከምዘይሓስብ ኣነጺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com