Thursday , April 25 2024

ሓድሽ ኣገባብ ንምሕዋይ ሓደገኛ ድኻም

ጥዕና

ኣብ ስራሕ ቦታ ዚርከቡ ጉጅለ ዝርርብ ድኻምን ጭንቀትን ኪቕንሱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሊነ ዩኒቨርሲቲ ብሽወደናውያን ኮሙናትን ወረዳን መጽናዕቲ እተመርኮሰ ርኽበት እዩ፡ ይብል ናይ ሽወደን ራድዮ ኤኮት።

ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈሉ እቶም ኣብ ገምገም ናይ ድኻም ሕማም ዚርከቡ እዮም፡ ንሳቶም ን 10 ሰሙናት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ክልተ ሰዓት ጸገማቶም ተመክሮኦምን ብምንጋርን ነንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ተዋሲኦም።

እቲ ፕሮጀክት ምስ ተወደአ ሓደ ርብዒ ኣቢሎም እዮም ናይ ድኻም ምልክታት ዘርኣዩ።

እቲ ምስጢር እቲ ኩልና እንፈልጦ እዩ። ንሕና ማሕበራዊ ፍጡራት ኢና፡ ስለዚ ነቲ ዚስምዓካ ምስ ካልኦት ምዝርራብ፡ ከምኡውን ደገፍ ወሃብን ደገፍ ተቐባልን ምዃን ኣዚዩ ኣገዳስን ሓጋዝን እዩ ይብል ሪካርድ ብራተን ናይ ሽወደን ኮሙናትን ወረዳ ቤትምኽርን ፕሮጀክት መራሒ ኣብቲ ምስ ኤኮት ዝገበሮ ዝርርብ።

ዳርጋ ፍርቂ ናይቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ብሕማም ምኽንያት ስራሕ ዘብኩሩ ሰባት፡ እቲ ሕማሞም ኣብ ናይ ኣእምሮ ሕማም እተሞርከሰ እዩ፡ ብመሰረት ጸብጻባት ቤትጽሕፈት ኢንሹራንስ ድማ ጭንቀትን ድኻምን ገለ ካብቶም ልሙዳት ጠንቅታት እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com