Friday , April 19 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ሓድሽ ዓመት (New Year: The Old Garbage In A New Package)

ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከኣ ትዓርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ክትምለስውን ትቕልጥፍ…….. ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን፡ እዝኒ ከኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን፡ እቲ ዝነበረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን፡ ይብል ንጉስ ሰሎሞን።

ወላ ሓድሽ ዓመት?

ከመይ ኢሉ ሓድሽ ነገር ዘየልቦ? ብምባል ዚሓትት ሰብ ኣይሰኣንን። ግን እቲ መጻኢ ወይ ሓድሽ ኢልና እንሰምዮ ነገራት ወይ ኩነታት ኣብ ልብና ወይ ኣእምሮና ተሰዊሩ ዝነበረ ደኣምበር ካብ ዘየልቦ እተፈጥረ ኣይኮነን።

ራድዮ ሽሕኳ ኣብ 20 ክፍለዘመን ተማሂዛ እንተ ነበረት፡ ኣብ ኣእምሮ ሰብን ሕልሙን ራኢኡን ግን ካብ ጥንቲ ነይራ ኢያ፡ ኩነታት ምስ ጠዓመላ ድማ ተማሂዛ። ወላ ኮምፕዩተር፣ ወላ ኣቶሚክ ቦምብ። ስለዚ እቲ ኩሉ ኣብዛ ዓለም ከም ሓድሽ ጌርና እንርእዮ፡ ከም ብሉፐሪንት ወይ ሕቡእ ውጥን፡ ወይ ከም ሶፍት ወይር ኣብ ውሽጢ ወድሰብ ተደጕሉ ዝነበረ ደኣምበር፡ ብሃንደበት ጥብ ኢሉ ዝመጸ ኣይኮነን። ንኺገሃድ ኢዩ ግዜ ወሲዱሉ።

ገለ ሰዓታት ይገብር፡ ናብ ቀዳም ዘውግሕ፡ ማለት ፍርቂ ለይትን ሓንቲ ካልኢትን ምስ ኮነ፡ ናብ 2022 ተሰጋጊርና። ተተኲሱን ተሰትዩን ተዘሚሩን ተሳዕሲዑን፡ ተጋዒሩን…… ብገለ ወገን ድማ ተነቢዑ!!! እንታዎት ኢና ግን እተሳገርና? እቶም ብግረጎርያን ኣውደኣዋርሕ እንቘጽር ዲና ወይስ እቶም ብግእዝ እንቖጽር?

ነቶም ብግእዝ ዚቘጽሩ፡ ብናይ እስልምና ሓጂራ ዚቘጽሩ፡ ነቶም ብናይ ቡዲዝም ወይ ሂንዱዊዝም ኣገባብ ዓመታት ዚቕምሩ ግን ሓድሽ ዓመቶም ኣይነበረን።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ዳርጋ መብዛሕትኡ ህዝቢ ዓለም ንጥሪ ሓደ ከም መቐይሮ ሓድሽ ዓመት ስለ ዚወስዶ፡ ገሊኡውን ብመገዲ ባህልን ብሸቐጥን ስለ ዚርእዮ፡ በብናቱ መገድን ኣገባባትን የኽብሮ እዩ።

ይኹንምበር፡ ዝኾነ ሓድሽ ዓመት ወይ ሓድሽ ዘመን፡ እምነት፡ ባህሊ ወይ ካልእ ዝንባሌታት ብዘየገድስ፡ ኣገባብ ኣበዓዕላኡ ኣገዳሲ ኾይኑ ይስመዓኒ።

ኣብ ሃገርና፣ እቲ ዝናም ደው ኢሉ እኽሊ በቝሉ፡ ጸሓይ በሪቓ፡ መሬት ብገልገለ መስቀል ተሰሊሙ እትርእየሉ ኣዋርሕ፡ ብዝያዳ ንሓድሽ ዓመት ዘበስር ኮይኑ ይስመዓኒ።

ኤውሮጳውያን’ውን ነቲ ብበረድ እተሸፈነን ብቝሪ ዘንፈርፍርን ኣዕዋፍ ዘማርራሉን መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ከም ሓድሽ ዓመት ገይሮም ምብዓሎም፡ ናቶም ኣረዳድኣ ይህሉዎም ይኸውን። ንዓናውን ዚምልከተና ኣይመስለንን። ይኹን’ምበር ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምስ ዓለምና መታን ክንከይድ ነቲ ናይ ግእዝ ገዲፍና ነቲ ናይ ኤውሮጳ ተቐቢልናዮ ኣሎና።

ንኣይ ዝገርመኒ፡ ኣብ ሃገራት ምዕራባውያን፡ ታሕሳስ 31 ናብ ጥሪ 1 ኣብ እትሰጋገረሉ ህሞት፡ ማለት ልክዕ ፍርቂ ለይቲ፡ ነታ ዝሓለፈት ዓመት፡ ከምዛ ጠንጢናቶም ዝኸደት ኣማኒቶም እናዘመሩ ይኹን እናበኸዩ ከፋንውዋ ኸለዉ ክርእይ ከሎኹ ኢዩ። ነቲ ብእምሮኦም ባዕሎም ዝፈጠሩዎ ምስሊ ዓመት፡ ህይወት ኣልቢሶም ከይዱ፡ መጺኡ፡ ሓሊፉ ምባሎም፡ ኣይርደኣንን። ናበይ ኢዩ ኸይዱ?

እንታይዶ እተለወጠ ነገር ኣሎ’ዩ? እዛ ቀዳም፡ ካብታ ጽባሕ እትስዕባ ሰንበት እንታይ ፍልልይ ኪህሉዋ ዲዩ? ቅድሚ ሕጅስ፣ ሰንበት ንቐዳም ክንደይ ግዜ ዘይሰዓበታ፡ እብል። እታ እትዘውር ዘላ ዓለም እኳ ኣብቲ እዋንቲ ፍሉይ ዝኾነን እንኮን እትሳገሮ ኣድማሳዊ መስመር ወይ ቅናት የለን። እንተሎ’ውን ዚፈጥሮ ስነልቦናውን መንፈሳውን ነገር የሎን።

ገለ ሊቃውንቲ ኸም ዚብሉዎ ግን፣ 8 ቢልዮን ህዝቢ ብሓደ ግዜ ናብ ሓደ ነገር ይሓስቡ እንተ ደኣ ኣለዉ፡ ኣብቲ “ባይታ” ሓቅነት ኪፈጥሩ ይኽእሉ ኢዮም። እሞ፣ 8 ቢልዮን ሰባት፡ ሓድሽ ዓመት ኢዩ ኪብሉኻ ኸለዉን፡ ኮይኑ ኢዩ ኢሎም ኪስዕስዑን ኪድሰቱን ኸለዉ፡ ካርቶሊናታት ድማ ኪለኣኣኹ ከለዉ፡ ብሓቂ ሓድሽ ዓመት ፈጢሮም ኪኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ትሓስብ።

ንጽባሒቱ ኩሉ እቲ ዓሚ ዚጓነፈካ ዝነበረ ጸገማትን ሞሲባታትን ምሽክላታትን ተመራሪሑ ምስ መጸካ ግን፡ ኣታ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሓድሽ ዓመት ዝበሉና ዝነበሩ ትብል። ንሱ እንዲዩ ግዲ፡ ደይ እቲ ዝነበረ ጸገማት ወይ ደስታታት ኢዩ ዚቕጽል ዘሎ!!

እቲ ዝነበረ ራህዋ’ውን ኪቕጽል ይኽእል ኢዩ። ግን ራህዋን ሽግርን፡ ብምልውዋጥ ዓመት ኣይብዳህን። ኣይቅየድን’ውን። ኣብ ዝደለዮ መዓልቲ ቃሕ ከም ዝበሎ ይመጽእ። ስርሑ ገይሩ ድማ ለኪሙካ ወይ ኣርህዩልካ ይኸይድ።

ዝኾነኾይኑ ጽቡቕ ምትምናይ ነቲ ኣተሓሳስባኻ’ውን ይልውጦ እዩ። ዘበን ሰላምን ቅሳነትን፡ ዘበነ ፍትሕን ሰላምን ይግበረልና ምባል ግሩም እዩ። ሰብ ብተስፋ ኢዩ ዚነብር።

እዚ ትምኒትዚ ግን ግድን ኣብ ሓድሽ ዓመት ጥራይ ኪብሃል ኣይግባእን። ልክዕ ኢዩ፡ ኩሉ ሰብ ብሓደ ኾይኑ ኪትምነ ኸሎ ኣድማዕነት ኣለዎ። ወድሰብ፡ መዓልታዊ መብጽዓን ምንዮትን ኪህልዎ ግን ዝበለጸ ኢዩ።

ሽጋራ እተትክኽ እንተ ኾንካ ግን ስለምንታይ ሓድሽ ዓመት ክሳዕ ዚመጽእ እትጽበ? ምስ ሓዳርካ ስምምዕ እንተ ዘይብልካኸ፡ ስለምንታይ ንልብኻ ክሳዕ ሓድሽ ዓመት ዓጺኻዮ እትጸንሕ?

ብሓጺሩ፡ እቲ ኣገዳሲ፡ ሓድሽ ዓመት ዘይኮነስ፡ እቲ ክትልወጥ ምድላይካ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ግዜ ኪካየድ ይከኣል ኢዩ።

ገለ ሰባት፡ ካብ ድንገት ንስክላ ብምውጻኦም፡ ብስም ሚካኤል ይኹን ወይ ከኣ ብስም ናይቲ ካብ ሓደጋ ብተኣምራት ዝወጹሉ መዓልቲ ዚኽበር መልኣኽ ጸበል ገይሮም ዓመት ዓመት የብዕሉ ኢዮም። ንኣታቶም፣ እታ መዓልቲ እቲኣ ከም ብሓድሽ እተወልዱላ መዓልቲ ብምዃና፡ ሓዳስ ዓመቶም ኢያ።

ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ግን፡ ኩሉ ሰብ ብሓደ ኾይኑ ንሓንቲ መዓልቲ ከም መጀመርታ ሓድሽ መዓልቲ ወይ ከም መጀመርታ ሓድሽ ወርሒ ወይ ከም መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ቈጺሩ፡ ተሓጒሱን ተሳኒዩን እንተ ወዓለን፡ መብጽዓታት እንተ ገበረን ሰናይ ኢዩ።

ስኒትን ፍቕርን ሕውነትን ዚፈጥር ዘበለ ኩሉ ምህዞ ይኹን ባህሊ፡ ወይ ፍልስፍና፡ ኪተባባዕ ይግባእ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com