Friday , March 29 2024

ኣሜሪካ ኣሳንጅ ክወሃባ ትሓትት።

ሓጋጊ ኣካል ብሪጣንያ ነቲ መስራቲ ዊኪሊክስ ኣሳንጅ ናብኣ ኣሕሊፉ ክወሃብ ብኣመሪካ ዝቐረበ ሕቶ ይመያየጠሉ ኣሎ ተባሂሉ።

ኣመሪካ ንኣሳንጅ ብጸጥታዊ ጒዳያት ከም እተሓቶ ገሊጻ’ላ።

ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኤለክትሮኒካዊ ራስያ ተዋፊሩ ኔሩ እትብሎ ኣሳንጅ ናብኣ እንተተስተሊሙ ክሳብ ናይ 5 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮ ይፍለጥ።

ደገፍቲ ኣሳንጅ ብወገኖም ምድሪ ኣመሪካ እንተረጊጹ እታ ሃገር ካልእ ገበናት’ውን ክትድርድረሉ እያ ብምባል ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

47 ዓመት ዝዕድሚኡ ኣሳንጅ ብ 2012 ላንደን ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤክዋዶር ፖለቲካዊ ዕቚባ ምሕታቱን ብፍቓድ ክዊቶ ሚያዝያ 11 ብፖሊስ ብሪጣንያ ካብቲ ቦታ ምውጽኡን ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ ብጾታዊ ምድፋር ብሽወደን ክድለ ዝጸንሐ ሰብ እኳ እንተኾነ እቲ ዝሓየለ ስግኣቱ ሽወደን ንኣመሪካ ኣሕሊፋ ከይትህቦ ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com