Thursday , March 28 2024

ሓፍቲ ኪም ጆንግ ኡን፡ “ኣሜሪካ ሕማቕ ጨናኺ ኣክብልና” ትብል።

ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋ ከም ዘለዋ እትፍለጥ ሓፍቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣሜሪካ ሕማቕ ጨናኺ ኣክብልና ክትብል ኣጠንቂቕ ክትብል ገሊጻ። እዚ ዝኾነ ምኽንያት፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ፖሊሲ ሰሜን ኮርያ ንምሕንጻጽ ኣብ ምድላው እናሃለወ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ ነተን ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ዘካይዳ ዘለዋ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ነቒፉ’ሎ። ሰብመዚ ኣመሪካ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምግባር ናብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ–ሲኦል ንምእታው ሓደ መዓልቲ ምስ ተረፎም እዩ መግለጺ ሓብቲ መራሒ ሰሜን ኮርያ ወጺኡ ተባሂሉ’ሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ሰሜን ኮርያ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ክገብር ንሰሙናት ዝኣክል ጻዕሪ ጌረ እየ ኢሉ’ሎ። ፕረሲደንት ባይደን ስርሑ ምጅማሩ ፕዮንግያንድ ገና ኣፍልጦ ኣይሃበትን ኣላ።

ክልቲኣተን ሃገራት ብሰንኪ ፕሮግራም ኑክሌርን ባሊስቲል ሚሳይልን ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ከም ዝጸንሓ ዝዝከር እዩ። መራሒ ሰሜን ኮርያ ንጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓድሽ መራሒ ኣመሪካ ውቅያኖስ ሰጊሩ ንሃገርና ብጨና ባሩድ ክብክል ይዳሎ ኣሎ። እንድሕሪ ንዝመጽእ ዓመታት ብሰላም ክመርሕ ዝደሊ ኮይኑ ነዚ ዓብላኺ ጨና ካብ ምፍናው ክቚጠብ እየ ዝመኽሮ ኢሉ።

ደቡብ ኮርያ ምስ ኣመሪካ ተላፊና ዝገበረቶ ወተሃደራዊ ልምምዳት ብትሪ ብምንቃፍ፡ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ መንገዲ ኲናትን ቅልውላውን ይመርጽ ኣሎ” ምባሉ ቢቢሲ ወሲኻ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com