Thursday , April 25 2024
Claudio Bresciani / TT

ሕሙማት ኣሓ ፖላንድ ኣብ ሽወደን ይሽየጣ።

ኣገልግሎት መግቢ ሽወደን ኣብ ፖላንድ እተሓርደ ስጋ ፖላንድ ኣብ ሽወደን ይሽየጥ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ስጋ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይታ ሃገር ዝርከባ ኣርባዕተ ኩባንያታት ከም እተሸጠ እቲ ኣገልግሎት ሓቢሩ’ሎ።

“እዚ ንጥዕና ሃሳዪ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ጥሕሰት ሕጊ’ውን እዩ” ክብል ኣብቲ ክፍሊ ዝሰርሕ መርማሪ መንግስቲ Louis Nehulem እጠንቂቑ’ሎ።

ብመሰረት ጋዜጣ ATL እዛ ኲባንያ ፖላንድ ንቶም ዝተሓርዱ ከብቲ ቀትሪ ማንም ሓኪም ከብቲ ኣብ ዘይህልወሉ ሰዓት ከይተመርመሩ ብምዕዳግ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት( እንተላይ ሽወደን) እዮም ዘከፋፍልዎ ዘለዉ ኢላ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ ዛጊት ክሳብ ርብዒ ቶን( ክልተ ኲንታልን ፈረቓን) ስጋ ናብ ሽወደን ተሸይጡ’ሎ።

“እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ይብል Noholme. “እዘን ላሕሚ ቅድሚ ምሕራደን ይኹን ድሕሪኡ ጥዕናአን ብሓካይም እንስሳ ክምርመር ይግብኦ ኔሩ።

እዘን እንስሳ ሕሙማት እየን፡ ብህጹጽ ከኣ ካብ ዕዳጋ ክውገድ ኣለዎ” ኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com