Saturday , April 20 2024

ሕማም ሕጽረት ሽወሃት (ኣኖረክስያ) ንቅርጺ ሕንጎል ከም ዝቕይር ተገሊጹ።

ቅርጺ ኣእምሮ ሕማም ሸውሃት ዘለዎም ሰባትን ጥዑያትን ዝተፈላለየ ምዃኑ፡ ብምውህሃድ ዩኒቨርሲቲ ባርዝ (ብሪጣንያ) ዝተዳለወ ሓደ መጽናዕቲ አመልኪቱ። ሕማም ሽወሃት ምስ ምብላዕ ዝተተሓሓዘ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማም ኮይኑ፡ ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ርብዒ ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ከም ዝሳቐዩ ጸብጻባት የመልክቱ። ገለ ሰባት ከይረጒዱ ካብ ዘለዎም ኣመና ከቢድ ፍርሂ ዘማዕብልዎ እዚ ስነ ኣእምሮኣዊ ኲነታት፡ ብኸመይ ኣብ ገሊኦም ጥራይ ከም ዝኽሰት ዝተፈልጠ ነገር የለን ዝበለ እቲ መጽናዕቲ፡ እንተኾነ ግና ዝተፈላለዩ ሕሙማት ኣኖረክስያ ስካን ብምግባር ኣብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ቅርጺ ሓንጎሎም ዝተፈልየ ምዃኑ ከረጋግጽ ምኽኣሉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብዞም ሰባት ዝረኣየ ምጭባጥ ሓንጎል፡ ምሟት ዋህዮታት ሓንጎል ከምኡ’ውን ምብታኽ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምትሕሓዝን ዘመልክት ምዃኑ፡ እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com