Wednesday , April 24 2024
Foto: TT

ሕሳብ ባንክ፣BankID ፣ ስዊሽ

ሕሳብ ባንክ

ንውልቓዊ ቑጠባኻ ንምእላይ ናይ ባንክ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ። እቲ ንስኻ ትደልዮ ሕሳብ ዝተፈላለየ ስም ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ናይ ልቓሕ ሕሳብ፣ ናይ ምትሕልላፍ ሕሳብ፣ ውልቓዊ ሕሳብ፣ ወይ ክፍሊታዊ ሕሳብ። ሕሳብ እንታይ ስሙ ኣሎዎ ኣየገድስን እዩ። እቲ ዘገድስ ነዞም ዝስዕቡ ኣገልግሎታት ክትረክብ እዩ፣

  • ከም ደሞዝን ቍጠባዊ ሓገዝን ኣብ ሕሳብ ምእታው
  • ክፍሊታት ብምትሕልላፍ ባንክ፣ ባንክጂሮ(brevgiro)፣ ኣውቶጂሮ(autogiro)
  • ምውጻእ ጥረ ገንዘብ

ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID)

ባንክኢደ፡ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት እዩ፣ ኢ-ለጂቲማሽን(e-legitimation) እውን ይበሃል እዩ። ስምምዕ ንክትፍጽምን ብኢንተርነት ክፍሊት ክትክትምን ዝቐለለ መገዲ እዩ። ብኤለክትሮኒካዊ ክታም ምግዳፍ ልክዕ ከም ብኣካል ምኽታም ብሕጊ ቐያዲ እዩ።

ባንክ እዩ ንኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ዝዕድል። ኤለክርትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነት (BankID) ንኽትከፍት ናይ ሽወደን ውልቓዊ መለለዩ ቑጽሪ (personnummer) ክህልወካ ኣለዎ።

ውሕስነት፣

  • ባንክኢደ ውልቓዊ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ(e-legitimation) እዩ። ካልእ ሰብ ነቲ ኤለክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ክትከፍት እንተሓቲቱካ፣ ንኣብነት ብቴለፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ፡ ኤልክትሮኒካዊ መንነት መረጋገጺ ኣይትጠቐም።
  • ናይ ናትካ ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID) ናይ ውሕስነት ቑጽሪ (Säkershetskoden) ውልቓዊ እዩ። ናይ ውሕስነት ቑጽሪ ብፍጹም ንዝኾነ ሰብ ኣይትሃብ። ንክትታለል ተኽእሎ ኣሎ።

ስዊሽ- ብተንቐሳቓሲ ቴለፎን (mobilen) ገንዘብ ምስዳድን ምቕባልን

ብስዊሽ ሞባይልካ ብምጥቃም ብቐሊሉ ገንዘብ ክትሰድድን ክትቕበልን ትኽእል ኢኻ። ብስዊሽ ገንዘብ ክትሰድድ ወይ ክትከፍል ከለኻ ገንዘብ ካብ ባንክ ሕሳብ ይውሰድ ኣብ ውሽጢ ገለ ካልኢታት ከኣ ናብ ተቐባሊ ይበጽሕ። ልክዕ ከም ብባንክ ምትሕልላፍ ገንዘብ ውሑስ እዩ። ንውልቀ ሰባት ስዊሽ ምጥቓምን ገንዘብ ምስዳድን ምቕባልን ብናጻ እዩ።

ስዊሽ ከመይ ጌርካ ትኸፍት፣

  • ገንዘብ ንምስዳድ ስዊሽ ንክትጥቐም ስዊሽ ናይ ሞባይል ፕሮግም (Swish-appen) ኤለክትሮኒካዊ መረጋገጺ መንነትን(BankID)ን ኣብ ሞባይልካ ክትጽዕን የድልየካ። እዚ ኣብ ጎግል ፕላይ(Google Play) ወይ ኣፕ ስቶር(App Store) ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ።
  • ንስዊሽ ምስ ባንክ ሕሳብ ንከተትሓሕዞ ብኢንተርነት ወይ ብሞባይል ናብ ባንክ ክትኣቱ ከድልየካ እዩ።
  • ስዊሽ ናይ ሞባይል ፕሮግራም ብምኽፋትን ቴለፎንካ ብምትሕሓዝን ኢኻ ንስዊሽ ተንጥፎ።

ምንጪ: information om sverige


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com