Tuesday , April 23 2024
ዛይዳ ካታላን ኣብ 2003 ስእሊ : Mats Samuelsson / TT

ሕቡራት ሃገራት ዝርዝር ኣማውታ ሽወደናዊት ሰራሕተኛኡ ሓቢኡ ተባሂሉ::

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣማውታ ናይታ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዕጡቓት ዝተቐትለት ሽወደናዊትን ኣሜሪካዊ መሳርሕታን ዝምልከት መርትዖ ኮነ ኢሉ ከም ዝሰወሮ ማዕከናት ዜና ሽወደን ምስ ኣህጒራውያን መራኸቢ ብዙሓን ብምዃን ብሓባር ዘካየድዎ መርመራ ይሕብር።

እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ብምዃን ኣብ ኮንጎ ኣንጻር ሰላማውያን ሰባት ንዝካየድ ግፍዕታት ኣብ ምጽራይ ዝነበሩ ሽወደናዊት ዛይዳ ካታላንን ኣሜሪካዊ ማይክል ሻርፕን ኣብ መጋቢት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕጡቓት ብዝገበርዎ ድብያ ብጥይት ተወቒዖም ከም ዝሞቱ ይዝከር።

ካታላን ጓል ስቶኮልም ኮይና ንነብሳ ካብ ፖለቲካ ኣግሊላ ናብዛ ብኲናት ዝዓነወት ሃገር ብስራሕ ቅድሚ ምጋሻ ንጥፍቲ ኣባል ግሪን ፓርቲ እያ ነይራ። ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ኮንጎን ነቲ ኣብ ልዕሊ ካታላንን ሻርፕን ዝተፈጸመ ቅትለት ዝወዓልዎ ዕጡቓት ሚሊሻ ናይቲ ከባቢ እዮም ብምባል ተሓተትቲ ይገብርዎም።

ይዂን እምበር ኣገልግሎታት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ሽወደን ርኢናዮ ዝብልዎ ዝለሓዀ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝተፈልየ ሓበሬታ እዩ ዘለዎ። ብመሰረት እቲ ብቴሌቪዥን ሽወደን ተዳልዩ ዝተፈነወ ምርምራዊ ናይ ዜና ምስንዳእ፡ ኣባላት ሰራዊትን ኣገልግሎት ጸጥታን መንግስቲ ኮንጎ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከም ዘለዎም እዩ እቲ ዝለሓዀ ሰነድ ዘመልክት።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com