Thursday , April 25 2024
ANDRÉ MASLENNIKOV/TT

ሕብረትሰብ ሽወደን

​ሽወደን ሓንቲ ደሞክራስያዊት ሃገር እያ። እዚ ማለት ድማ፤ ህዝቢ ነቶም ኣገደስቲ ውሳኔታት ክውስኑ ዚኽእሉ፤ ሰልፊታት ወይ ግለ-ሰባት ብምምራጽ፤ ዘመሓድሮ ስርዓት ማለት እዩ። እቶም ዚምረጹ ሰባት ፖሊቲካኛታት ይስመዩ። ንሳቶም ድማ፤ ኣብ ኮሙናዊ-ባይቶ፤ ኣብ ወረዳዊ-ባይቶን ኣብ ሃገራዊ-ባይቶን ውሳኔታት ይወስዱ።

ገለ ኣገደስቲ መሰረታት ሕብረሰብ ሽወደን

  • ናይ ጽሑፍን ሓሳብካ ምግላጽን ነጻነት፤ እዚ ንኹሉ ሰብ ሓሳብቱ ክገልጽ፤ ርእይቶ ክህብ፤ ስምዒቱ ብቓልን ብጽሑፍን ክገልጽ ዘፍቅድ እዩ።
  • ናይ ማሕበር-ነጻነት፤ ኣባል ናይ ምዃን ነጻነት፤ ማሕበር ናይ ምምስራት ነጻነት፤ መሰረታዊ ትሕዝቶ ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓት እዩ።
  • ናይ ሃይማኖት ነጻነት ወይ ናይ እምነት ነጻነት ማለት፤ ነጻ ኴንካ ሃይማኖታዊ ኣምልኾኻ ንምትግባር ክትውስን ምኽኣል እዩ። ናይ ሃይማኖት ነጻነት፤ ከም ሓደ ካብ ሰብኣዊ-መሰላት ዚጽብጸብ እዩ።
  • ሕጋዊ-ውሕስና ማለት፤ ኩሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክኾኑ ዚገልጽ እዩ። ሓደ (ሓንቲ ሰብ) ሰብ ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ክሳብ ዚፍረድ፤ ከም ንጹህ ይቝጸር።

ሽወደን ብመንግስቲን፤ ወረዳዊ-ባይቶን ኮሙናትን ትመሓደር

መንግስታዊ ኣብያተስልጣንን ኩባንያታትን

ሃገራዊ-ባይቶ፤ መንግስቲን ቤትጽሕፈት-መንግስቲን፤ ሃገራዊ ኣብያተጽሕፈትን ካልኦት ኣብያተስልጣንን፤ ንሃገር ዝሰርሑ ኮይኖም ኣብ ምሉእ ሃገር ድማ ተዘርጊሖም ይርከቡ። ገለ ካብ ኣብነታት ድማ፤ ከም ማሕበራዊ-መሪሕነት፤ ውሕስነት-ካሳን ኣውራጃዊ-መሪሕነትን ክጥቀስ ይክኣል።

ኣውራጃ

ሽወደን ኣብ 21 ጂኦግራፍያዊ ከባቢታት እያ እትቀውም። ሓደ ኣውራጃ ብብዙሓት ምምሕዳራት ዝቖመ ሰፊሕ ቦታ እዩ። ወኪል መንግስቲ ኣብ ኣውራጃ መንግስታዊ ትካል ኮይኑ ኣብቲ ኣውራጃ ወሳኒ ቦታ ዘለዎን ኣብ ሞንጎ መንግስትን ምምሕዳራትን ከም መራኸቢ መርበብ ኮይኑ ይሰርሕ። ኣብ ነፍሲወከፍ ኣውራጃ ወኪል መንግስቲ ኣብ ኣውራጃን ኣማሓዳሪ ኣውራጃን ይርከቡ። ወኪል መንግስቲ ኣብ ኣውራጃ ካብ ዝሰርሓሎም ከባቢታት ሕብረተሰባዊ ድሕነት፣ ሕብረተሰባዊ ህንጸት፣ ከባብያዊ ድሕነትን ክንክን ተፈጥሮን፣ ውህደት፣ እንስሳ፣ ሃድንን ሃብቲ ዓሳን ይርከብዎም።

ኣውራጃ/ዞባ

ምምሕዳር ኣውራጃ ብህዝቢ ዝተመርጹ ዝመሓደር ኮይኑ ናይ ኣውራጃ ባይቶን ፈጻሚትን ተባሂሉ ከኣ ይጽዋዕ። ገለ ካብ ሓላፍነታት ምምሕዳር ኣውራጃ ከም ኣብነት ክንክን ሕክምና፣ ክንክን ጥዕናን ህዝባውያን መጓዓዝያታትን እዮም። ገለ ኣውራጃታት ሓላፍነት ምዕባለ ዞባ ውን ኣለወን ስለዚ ከኣ ዞባታት ተባሂለን ይጽዋዓ።

ኮሙናት

እቶም ኮሙናት ብኮሙናዊ ኣብያተምኽሪን ኮሙናዊ-መሪሕነትን ዚመሓደሩ እዮም። ንኣብነት ካብቲ ብሓላፍነት ዚመርሕዎ ጉዳያት፤ ኣብያተ-ትምህርቲ፤ ኣብያተ-ንባብ፤ ቤታዊ-ኣገልግሎት፤ ምጥፋእ-ሓዊ፤ ምሕደራ-ጐሓፍን እዩ።

ምንጪ ኢንፎርመሽን ስቨርየ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com