Thursday , March 28 2024
European Commission President Ursula Van Der Leyen (Christian Hartmannn, Pool Photo via AP) STR109

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ፖላንድ፡ ናይ 70 ሚልዮን ዩሮ መቕጻዕቲ በይኑ

ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ ናይ ኣስታት 70 ሚልዮን ዩሮ (ልዕሊ 725 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት) ዝኸውን መቕጻዕቲ ከምዝበየነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
እቲ ምኽንያት ድማ፡ መንግስቲ ፖላንድ፡ ነቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ‘ ንናይ ቤር ፍርዲ ናጽነት የዳኽም እዩ’ ዝበሎ Disciplinary Board of the Supreme Court ምፍራስ ስለዝኣበየት ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ካብ ኮሚሽን ኤወሮጳ ተጸሒፉ ብሮቡዕ ዝተላእኸ ደብዳቤ ከምዝሕብሮ፡ ፖላንድ ነቲ ዝተወሰና መቕጻዕቲ ንምኽፋል እኹል ዝኾነ ናይ 45 መዓልታት ከምዝተዋህባ እዮም ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምንጭታት ዝሕብሩ ዘለው።
መንግስቲ ፖላንድ ኣብቲ ዝተዋህባ ግዜ እንተዘይከፊላ፡ ኮሚሽን ኤውሮጳ ነቲ ገንዘብ ካብቲ ሕብረት ኤውሮጳ ንፖላንድ ከዋጽኦ ሒዝዎ ዝነበረ መደብ ክንክዮ ከም ዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ናይ ኤውሮጳ ቤት ፍርዲ ሕጊን ፍትሒን (European Court of Justice)፡ ፖላንድ፡ ነቲ disciplinary board ዝባሃል እንድሕር ዘየፍሪሳቶ፡ ኣብ መዓልቲ፡ ናይ 1 ሚልዮን ዩሮ መቕጻዕቲ ንኽትከፍል ከምዝወሰነ ዝዝከር’ዩ። ዕላማ ናይዚ መቕጻዕቲ፡ ፖላንድ ነቲ ሕብረት ዝወሰኖ ውሳኔ ንከተኽብር ንምግዳድ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣቐድም ኣቢሉ መንግስቲ ዋርሶው፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንዝቐረበሉ መቕጻዕቲ’ውን ‘ኣይከፍልን’ ዝበለ ኾይኑ፡ ሕጂ ድማ በዚ ናይ ኤውሮጳ ቤት ፍርዲን ፍትሒን ነቲ ከባቢያዊ ሓደገኛ ዝኾነ ዕደና ናይ ሊግናይት ንኽዓጽዎ ትእዛዝ ቀሪቡሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ብምዃኑ ድማ፡ እቲ ዕደና ከይተዓጽወ ንዘሕልፎ ግዜ፡ መዓልታዊ ናይ 500,000 ዩሮ መቕጻዕቲ ይእከቦ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com