Tuesday , April 16 2024

ሕጊ ሞግዚትነት፡ ንኽምርመር፡ ባይቶ ሽወደን ሓቢሩ

ኣብ ሃገረ ሽወደን ሰባት ካብ ወጻኢ ሃገራት ቆልዑ ብምምጻእ ብሞግዚትነት ወይ ከኣ ኣዶፕሽን ተባሂሉ ዝፍለጥ መስርሕ መዕበያ መሰረታዊ መርመራ ክካየደሉ ሃገራዊ ባይቶ ሽወደን ንመንግስቲ መዝነት ብማሃብ ኣዚዙ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ዝተፈላለዩ ሰባት ካብ ብዙሓት ሃገራት ብፍላይ ከኣ ካብ ጽጉማንን ትሑት መነባብሮ ዘሎወን ሃገራት ከምዝትግብር ዝፍለጥ፣ ዘኽታማት ቆልዑ ይኹኑ ብኻልእ ምኽንያት ካብ ካልኦት ሃገራት ብምምጻእ ቆልዑ ናይ ምዕባይ መስርሕ፣ ኣብ ሽወደን ርእሱ ዝኻእለ ሕግን ስርዓትን እኳ እንተሃለዎ፡ ኣብ መስርሕ ምምጻእን ምርካብን ቆልዑ ዘሎን ዝተራእየን ጉድለታት ግን ምስ ሂወት እቶም ቆልዑን ማሕበረሰብን ዝተእኣሳሰር ብምዃኑ ልዑል ጥንቃቐ ዘድልዮ ስለዝኾነ፣ ነቶም ዛጊት ዝተራእዩ ሃጓፋት ዝእርም መርመራ ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ሕጊ መጉዚትነት ወይ ከኣ ኣዶፕሽን፡ ኣብ ሽወደን ልዕሊ ሰብዓ ዓመት ዕድመ እኳ እንተሃለዎ፡ ብዘይካ ዝተወሰነ ምምሕያሽ እቲ ሕጊ ከምዘይተመርመረ እዩ ዝፍለጥ።

ሕጂ ግን ምስቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ፍጻሜ ሞግዚትነት ካብ ሃገረ ቺለ ዝተራእየ ጉዳይን ካልእን ተታሓሒዙ ብዝተላዕለ ሕቶታት፡ እቲ ሕጊ ደጊሙ እንተተራእየ ይሓይሽ ብምባል ባይቶ ሽወደን ንመንግስቲ መዝነት ሂብዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com