Saturday , April 20 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ሕጊ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ፍቓድ ረኺቡ – ”ደስ ዘብል እዩ”

Migration TT

እቲ ሓድሽ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኪውዕል እዩ፡ ይብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግረሽን።

ስለዚ ኣሽሓት በይኖም መጻእቲ ህጻናት ኣብ ሃገር ሽወደን ንምጽናሕን 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንምእታውን ዕድል ኣለዎም።

ጽቡቕ ሕጊ እዩ ግን ንምትግባሩ ቅሩብ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ከኣ ዘይቅዋማዊ ኣይኮነን፡ ይብል ቶማስ ሮለን ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣባል።

እቲ ሕጊ ነቶም ኣብ ሽወደን ኪጸንሑን ኪመሃሩን ዚደልዩ ዕድል ይኸፍተሎም፡ ዝጸደቐ ድማ ሓምለ 1-2018 እዩ። ግን ከኣ ኣቐዲሙ ብኽልተ ኣብያተፍርዲ ተነጺጉ ነይሩ እዩ። ስለዚ ሚግረሽን ን 9000 በይኖም መጻእቲ ህጻናት ንኺውስንተጸቢዩ።

እዚ ነቶም ኣብ ሽወደን ዝሰርቱን ኣካል ሃገርና ዝኾኑን ብዘይካ ኣበርክቶ ምግባር ድማ ካልእ ዘይደልዩን ዓቢ ዕድል እዩ፡ ይብል ሚኒሰተር ትምህርቲ ጉስታቭ ፍሪዶሊን። ብድሕርዚ ከምዚ ብምባል ይቕጽል፥

ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ብዙሓት ካብቶም መንእሰያት ረኺበ። ካብ ውግእ ዝመጹ፡ ምሉእ ዕድሜኦም ኣብ ምህዳም ዘሕለፉ፡ ብድሕርዚ ድማ ኪቃለሱን ከጽንዑን ስራሕ ክረኽቡን ግዜኦም ዘሕለፋ። ስለዚ ህይወቶም ጀሚሮም፡ ኣብቲ ዘለዉዎ ድማ ዝያዳ ዓዶም ኮይኑ ይስምዖም።

እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኪውዕል እዩ

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግረሽን ብዛዕባ ሕጊ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ውሳነ ወሲዱ ኣሎ። እቲ ሕጊ መኣስ እዩ ዚትግበር ድማ እቲ ቀዳማይ ሕቶ እዩ።

እቶም ታሕተዎት ኣብያተፍርዲ ኣንጻር ቅዋም እዩ ይብሉ። ንሕን ግን ጌጋ እዩ ኣይንብሎም። ንምትግባሩ ድማ ቀሊል እዩ ይብል ቶማስ ሮለን ፕረሲደንት ኣብ ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ይግባይ

እቶም ታሕተዎ ኣብያተፍርዲ ነቲ ሕጊ ምስቲ ናይ ሽወደን ቅዋምን ምስ ኤ.ሕ ሸንገንን ዘለዋ ምትእስሳርን ይጋጮ እዩ፡ ነቲ ናይ መንነት መርትዖታት ድማ የፍኵሶ እዩ ይብሉ።

ንሕና ግን እቲ ናይ ሸንገን ስምምዕ ሓደ ሰብ መኣስ ኣብ ኤ.ሕ ሃገራት ኪመጽእ ከም ዘለዎ ነዚ ይምልሾ እዩ ንብል። ሓደ ሰብ ኣብ ሃገር ሽወደን ኣሎ፡ እዚ ድማ እቲ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዚብሎ እዩ። ስለዚ እቲ ሕግታት ምስ ናይ ኤ.ሕ ውዕላት ኣይገራጮን እዩ፡ ይብል ሮለን።

ምትግባር ኣብዩ

ምስ ኩሉ ተጻብኦን ነቔፈታን ግን እቲ ሕጊ ኣብ ባይቶ ሓሊፉ። እቲ ናይ ሕጊ ቤትምኽሪ ”ሕጊ ከመይ ኢሉ ከም ዚምስረት ኣየናይ እዩ ቅቡል ዚብል ደረት ተበጺሑ እዩ” ኪብል ጽሒፉ።

እቲ ነቐፌታ፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣብ ምጕዳል መንነት መትዖ ዘለዎ መርገጺ ዚምልከት እዩ።

እዚ ድማ ንሚግረሽን ነቲ ናይ ኤ.ሕ ኣብያተፍርዲ መምርሒ ከም ዚሓትት ገይሩዎ። ይኹንምበር፡ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግረሽን እዚ ዛጊት ኣብ ኣብያተፍርዲ ኤ.ሕ ልሙድ ስለ ዝኾነ ምሕታት ኣየድልን ኢሉ።

ስለዚ እቲ ናይ 2ይ ደረጃ ሕጊ ዚምልከት ብዪን ኣብ ግብሪ ኪውዕል እዩ።

ስለዚ ንሕን ናይ መወዳእታ ቤትፍርዲ ስለ ዝኾንና፡ እቲ ሕጊ ኪትግበር እዩ፡ ምስ ዝኾነ ሕጊ ኤ.ሕ ድማ ኣይጻረርን እዩ፡ ይብል ሮለን።

ዮናና ሞለን፡ ኣብ ሚግረሽን ሓላፊት ፕረስ፡ እቲ በዓልስልጣን ”ብቕልጡፍ ኪምለስ እዩ” ትብል። ቅድሚ እቶም ሓተትቲ መጠየቕታኦም ዘቕርቡ እቲ እተዋህበ ፍርዲ ኪጽናዕ ኣለዎ ኢላ።

TT: ንሕና ከምቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግርሽን ምስ እንፈርድ፡ ንስኻትኩም ነቲ ናይ መጠየቕታ ሕቶ ዳግማይ ክትርእዩዎን ክትውስኑን ንምጅማር ክንደይ ይወስደልኩም?

ቀልጢፍና ክንጅምር ንኽእል ይመስለኒ። ነዚ ጉዳይዚ ድሉው ዝኾነ ውድብ ኣሎና። ካብ ሓምለ 18 ጀሚርና ናይ ምቕባል ውሳነታት ወዲእና ኣሎና፡ ናይ ምንጻግ ውሳነታት እውን ጀሚርና ኣሎና፡ ትብል ዮሃና ሞለን።

ሚግረሽን ክሳዕ ሕጂ 9650 መጠየቕታታት ረኺባ ኣላ፡ ካብዚ ኸኣ 1159 ተወሲኑ እዩ። መብዛሕትኡ ንጹግ እዩ። ገለ ዓሰርተ ዚኸውን ክሳዕ ዝሓለፈ ሓጋይ ተቐባልነት ረኺቡ። ዝበዝሐ መጠየቕታታት ካብ ምዕራብ ዞባ እዩ ዚመጽእ።

እቶም ኣወንታዊ መልሲ ዝረኸቡ ናይ 13 ኣዋርሕ መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም። ብድሕርዚ እቲ መንበሪ ፍቓድ ይነውሕ ግን ከኣ ኣብ ትምህርቲ ሓያል ተሳታፍነት ይጥይቕ። ሓያል ተሳታፍነት ኪብሃል ከሎ ግን ብሩህ ኣይኮነን፡ ይኹንምበር ኣብ 2018 ኪግለጽ እዩ ይብል ቤትጽሕፈት ሚግረሽን።

ሓቅታት፥ እቲ ሓድሽ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሕጊ

TT እቲ ሕጊ ሓምለ 1-2018 እዩ ኣብ ግብሪ ውዒሉ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቶም ንበይኖም ዝመጹ እሞ ኣሉታዊ መልሲ እተዋህቦም፡ ኪምሃሩ ምስ ዚደልዩ ዕድል ኪወሃቦም ማለት እዩ።

እዚ በቶም ሚልዩ ሰልፊ እዩ ድፍኢት ዝረኸበ፡ ብጸጋማይን ማእከላይን ሰልፊ ድማ ተደጊፉ።

ካብተን ኣርባዕተ ናይ ሚግረሽን ኣብያተፍርዲ፡ ክልተ (ስቶክሆልምን ማልመን) ነቲ ድንጋገ ነጺገንኦ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉውን ኣብየን።

እቲ ሕቶ ነቲ ናይ መንነት መርትዖ ምጕዳል ዚብል እዩ፡ እዚ ድማ ኣጸጋሚ እዩ ከመይሲ ብዙሓት ናይ መንነት ሰነድ የብሎምን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com