Thursday , April 25 2024

ሕጽረት ለገስቲ ደም ኣጋጢሙ ተባሂሉ።

ባንክ ደም ሽወደን A ወይ O ዓይነት ደም ዘለዎም ለገስቲ ደም ነበርቲ Skåne Upsalla ዮተበሪን ስቶክሆልምን ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ክውከሱ ጻውዒት ጌሩ’ሎ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን Skåne ዋሕዲ ዓይነት ደም B ከም ዘሎ’ውን ተገሊጹ’ሎ። “እዚ ሕጽረት እተኸስተሉ ምኽንያት ብምብዛሕ በዓላት ክንዲቲ ዝድለ ንሰርሕ ብዘይምህላውና እዩ ዝኸውን” ወይ’ውን” ለገስቲ ደም ናባና ክመጹ ብዘይምኽኣሎም እዩ” ትብል ኣዋሃሃዲት ደም Ge Blod Enisa Deumic።

እዚ ይኹንምበር ሕሙማት ዝወሃብዎ ደም ኣቋሪጹ ወይ ተጓሕጒሑ ማለት ኣይኮነን።

ሽወደን እኹል ቀረብ ደም ኣለዋ ክብሉ እቶም ሰብ ሞያ ገሊጾም ኣለዉ።

ዛጊት ሽወደናውያን ብምልጋስ ደም ኣዝዮም ዝተፈልጡ እዮም። ዝኾነ ነቲ ቅጥዒታት ምልጋስ ደም ዘማልእ ሰብ ደም ክልግስ ከኣ የተባብዑ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com