Saturday , April 20 2024

መሃዝቲ ቴክኖሎጂ ስለምንታይ ደቆም ሞባይል ክጥቀሙ ዘየፍቅዱ?

መሃዝቲ መተግበርታት (ኣፕሊኬሽናት) ሞባይል፡ ደቆም ምስ ሞባይል ስልክታት ዘለዎም ርክብ ዝተገደበ ክኸውን ከም ዝደልዩ ትፈልጡ’ዶ?

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብህይወት ዘየለ መሃዚ ኣፕል ስቲቭ ጆብስ፡ ብ2011 ደቁ ኣብ ገዝኦም ሞባይል ስልኪ ይኹን ካልኦት ቴክኖሎጂታት ንዝተወሰነ ሰዓታት ጥራሕ ክጥቀሙ ገይሩ።

ወናኒ ማይክሮሶፍትን መሃዛይን ቢልጌትስ እውን ደቁ ንዝተወሰነ ሰዓታት ጥራሕ ሞባይል ስልክታት ክጥቀሙ ከም ዝገብር ተገሊጹ።

ወናኒ ፌስቡክ ማርክዙከርበርግ ብወገኑ ነታ ዓሚ ንዝተወለደት ጓሉ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ “ናብ ደገ ወጺእኪ ተጻወቲ” ዝብል ትእዛዝ ሂቡ።
ንምዃኑ እዞም መሃዝቲ ቴክኖሎጂ፡ ደቆም ካብ ሞባይል ንኽርሕቑ ዝደልዩሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ?

ካብ ቴክኖሎጂ ነጻ ዝኾነ ወለዶ

ሰለስተ ቆልዑ ዘለውዎ በዓልሞያ ቴክኖሎጂ ፒዬር ሎረንትን ካልኦት መሳርሕቱን፡ ደቆም ካብ ቴክኖሎጂ ክርሕቁ ይምዕዱ።

“ኣብ እዋን ቁልዕነትካ ካብ እትሪኦ ‘ስክሪን’ ኣይኮንካን ፍልጠት ክትረክብ ዘለካ። ደቂ ሰብ ንናይ ስምዒት ህዋሳቶም ተጠቒሞም ስራሕቶም ክፍጽሙ ኣለዎም” ይብል ሎረንት።

ኣእምሮ ደቂ ሰባት ነገራት ከመይ ከም ዝስርሑ ምስ ግዜ ክግንዘብ ከም ዘለዎ’ውን ይሕብር።

ርእሰ ምትእምማን፣ ስነ-ምግባር፣ ናጻ ኣተሓሳስባ፣ ጉጅለኣዊ ስራሕ፣ ጥበባዊ ኣገላልጻ፡ እዚኦም ኩሎም ካብ ስክሪን ሞባይል ዘይርከቡ ጥበባት ወይ ክእለታት ከም ዝኾኑ ይዛረብ።

ክልት ማዕዳታት
ፍሉጣት መሃዝቲ ቴክኖሎጂ ደቆም ካብ ቴክኖሎጂ ክርሕቑ’ኳ እንተመዓዱ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ቴክኖሎጂ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝዛረቡ ወለዲ ኣይተሰኣኑን።

መርቬ ላፐስ “ህጻናት ቴክኖሎጂ እናተጠቐሙ ክምዕብሉን ክፈልጡን ይኽእሉ’ዮም። ግን ከኣ ካብ ቴክኖሎጂ ወጻኢ ንዘሎ ዓለም’ውን ከስተማቕርዎ ኣለዎም” ይብል።

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ህፃናት ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ‘ስክሪን’ ዘለዎም ቴክኖሎጂታት ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ዝሕብር መምርሒ ኣብ ቀረባ እዋን ዘርጊሑ ነይሩ።

ክሳብ ክልተ ዓመት ዕድመ ዘለዉ ህጻናት ንበይኖም ኮይኖም ቴሌቪዠንን ክሪኡን ስክሪናት ክጥቀሙን ከም ዘይብሎም እቲ መምርሒ ይሕብር።

ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ሰዓት ንላዕሊ ስክሪናት ንኸይርእዩ’ውን ይምዕድ።

ላፐስ “ኣነ መግቢ ኣብ ዘዳልወሉ እዋን ደቀይ ‘ሰሲሚ ስትሪት’ ዝተበሃለ ፕሮግራም [ቴሌቪዠን] ይከታተሉ። እዚ ንወለዲ ዕረፍቲ እዩ። ‘እንታይ ተማሂርኩም?’ ኢለ ግን እሓቶም እየ” ኢሉ።

ጉዳይ ህጻናትን ኣጠቓቕማ ስክሪናትን ዘካትዕ ዛዕባ ኮይኑ’ኳ እንተቐጸለ፡ ሰብ ሞያ ግን ‘ስክሪናት እምበር ቴክኖሎጂታት ንቖልዑ ምኽልካል ኣድላይ’ዩ ኢልና ኣይንኣምንን’ ክብሉ ይዛረቡ።

ምንጪ . bbc


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com