Friday , April 26 2024
Nariman El-Mofty//TT

መሓመድ ሳላሕ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተጻዋታይ ቢቢሲ


ተጻዋታይ ኢንግሊዛዊት ክለብ ሪቨልቡል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ዝሓለፋ ዓመት ቡሉጽ ጸወታ ብምርኣይ ሳልሳይ ዝበለጸ ተጻዋታይተባሂሉ ዝተሸለመ ሎሚ ድማ ብመርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝበልጸ ኣፍሪቃዊ ተባሂሊ ን ካልኣይ ተኸታታሊ ብምሽላም ቅድሚ ሕጂ ብ ናይጀራዊጀይ ጀይ ኦካቻ ጥራይ ተታሒዙ ዝነበረ ክብሪ ተመዓራሪዎ።

ሳላሕ ነዚ ክብሪ ዝበቕዖ ዝሓለፈ ዓመት ካብ 52 ግጥማት 44 ሸቶታትብምምዝጋብ ርኮርድ ክለብ ሪቨልቡል ክሕዝ ከሎ ሎሚዓመት ድማ ኣብ ኩሉ ግጥማት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብ ን ክለቡ መርሒት ፕሪመርሊግ ንኽትከዉን ኣኽኢልዋ ይርከብ።

ብተወስኺ ን ሃገሩ ድሕሪ 1990 ተሳታፊት ዋንጫ ዓለም ክትከዉን ዝልዓለ ተራ ተጻዊቱ እዩ።እዚ ወዲ 26 ዓመት ግብጻዊ ን ሰነጋልዊያን ማነን ኩሊባሊልን መሮካዊ መድሂ በናቲ ብምስዓር እዩ ነዚ ክብሪ በቒዑ።

ብመስረት መርበብሓብሬታ ቢቢሲ ብዝሒ ኣድመጺቲ ልዕሊ 650,000 ብምንባሮም  ሓዲሽክብረወስን ኣድመጺቲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ነዚ ክብሪ ቅድሚ ሕጂ ግብጻውያን መሓመድ ባራካት ኣብ 2005 ከምእውን መሓመድ ኣብጣሪቓ2008  ካብ ዝበጽሕዎ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com