Friday , March 29 2024
LENNART REHNMAN / GT / TT

መሓመድ ኣል፡ዓሙዲ ካብ ኣቦመንበር ቦርድ ኩባንያ ነዳዲ ፕሬም ተላዒሉ።

ኩባንያ ፕሪም ሽወደን ንጄሰን ሚላዞ ሓድሽ ኣቦመንበር ቦርድ ከኸውን መሪጻቶ ኣላ። ቦርድ ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ተሓዪሩ ዝጸንሐ መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ብምትካእ እያ ነዚ ሓድሽ ኣቦ-መንበር ዝመረጸት።

“ኣብዚ ንዕስራ ዓመታት ዝሰራሕኩሉ ትካል ብመሪሕነት፥ ብቕዓትን፥ ተወፋይነትን መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ኣዚየ ሕጉስ እየ” ይብል ዋና ኣካያዲ በዓልመዚ ፒተር ሆላንድ።

መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ሓደ ካብቶም ምንጪ ሃብቶም ክምርመር ከምኡ’ውን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ሃብቶም መሕወዪ ክረክብ ብዝብል ምኽንያት እተታሕዙ ስዑዳውያን ነጋዶን ልኡላንን ሓደ እዩ።

ንጉስ ስዑድ ዓረብ ንመሓመድ ኣል-ዓሙዲ ኣብ መናገሲት ከተማ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ሪዝ ካርልቶን ሆቴል እዩ ንሓደ ዓመት ሓዪርዎ ጸኒሑ። መሓመድ ሓሰን ኣል-ዓሙዲ ስዑድያዊ ነጋዳይን ቢልዮኔርን እዩ።

ንኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እንተላይ ሽወደን ወፍሪ ከም ዘለዎን ተሸላሚ ሽዊድሽ ሮያል ኖርዝ ስታር ምዃኑን ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com