Friday , April 19 2024

መሓዙተይ!

ሓቀኛ ዛንታ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል

“ትምህርቲ፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ምንቅስቓስ ደቂ-ሰብ ብዘጋጥም ተሞኲሮ’ዩ ዝፍጠር፡” ብምባል’ያ ዕላላ ጀሚራትለይ። ደጋጊመ ካብ ምዕዛብ – ገና ኣብ ፈለማ 20ታት ከም ዘላ ክግምት ክኢለ። እቲ ወዝ ከም ዝነበሮ ዝምስክር ገጻ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ወገኑ ማዳ ዘሪኡ ብምንባሩ፣ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ኣሰካፊ ጸገም ከም ዘጋጠማ፡ ምስ’ቲ ተኣሳሲሩ ተጨቢጡ ዝነበረ ኣካላ ብምውህሃድ ክድምድም ተደናደንኩ። ብመገዲ ወዲ ኣሃዱየይ እየ ተላልየያ። ብዛዕባ’ቲ ንእስነት ዝመበገሲኡን ብጽልዋ መዛኑ መኣዝኑ ዝሰሓተን መስመር ናብራኣ ሕርሕራይ ገይራ’ያ ጸውያትኒ። ‘ህይወት ብዋዛ’ያ ትምህረካ። ኣነ ድማ ኣለኹ እናበልኩ፡ ናብ ዘየድሊ ኣትየ ዕድለይ ኣበላሽየ’ ዝብል ሓረጋት ትደጋግም ነበረት – ኣብተን ዝተራኸብናለን እዋናት።

ነቲ ‘መዛኖይ መንእሰያት ክመሃራሉ ኣለወን’ እትብሎ – ከም ዋዛ ዝፈጸመቶ፡ ግን ከኣ ከም ሕሱም ዘጣዕሳን ሃንደበት ካብ ልሙጽ ናብ ኩርኳሕ መንገዲ ዘሰጋገራን ከተዘንቱዎ እንከላ፡ ከም ተበዳሊት ንብዓት ዝበሃል ኣብ ጥቓኣ ኣይቀርብን።

 ‘ሓንሳብ ተጋግየ እየ – ተጣዒስካ ዘይምለስ ጌጋ’ ብምባል፡ ንኹሉ ኣብ ውሽጣ ክትገብሮ እያ ትጽዕር። ጸገማታ ኣብ ውሽጣ ቀቢራ ምስ ሓዘቶ፡ ስና ከም እትነክስ ገይሩዋ’ዩ። ነታ ክሳብ ክንድኡ ከም ዝጽወር ትፈልጥ  ዘይነበረት – ምስ ወረዳ ግን ኣሜን ኢላ ዝተቐበለት – ኣርሴማ።

ኣብ 8 ሕዳር 1991 እያ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ኣባሻውል ተወሊዳ ዓብያ። ስድራኣ፡ ማለት እንዳ ኣቶ ክፍለ ንኣርሴማ ምስ ተበኮሩ ውላድ ክውስኹ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ሓንቲ ከም ሓሙስ – ሕልቦምን ንጹፎምን ንሳ እያ።

ኣቶ ክፍለ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓሙስ ኣብ ዝርከብ መዋፈሪ ኣውቶቡስ ናይ ጉልበት ሰራሕተኛ እዮም። በዓልቲ ቤቶም ኪኖ ናይ ገዛ ስራሕ ዝሓልፍ ሞያ ዘይብለን ብምዃኑ ናብራ ናይ’ቲ ቤት ካብ ኣታዊኦም ጥራይ’ዩ ዝምርኮስ ዝነበረ። መዓልታዊ ህይወቶም (እቶቶም) ካብ ኢድ ናብ ኣፍ’ዩ። ከም’ዚ ዓይነት ትሑት ናብራ እናመርሑ ግን፡ እታ እንኮ ጓሎም ሓንቂቓ መታን ክትዓቢ ኩሉ ዝከኣል ይገብሩ ነበሩ።

ነዛ ንነብሶም ክዳን ከይቀየሩን ገዛኦም ከይመልኡን፣ ጓሎም ዝደለየቶ ኣብ ምምላእ ድሕር ኣይብሉን። ዝኣዘዘቶ መጻወቲ፡ ክዳውንቲ…ወዘተ ኣብ ድላያ ሰዓት ሓቲታ እትረኽቦ’ዩ። ‘ሓደ ውለድ ከይትቐስን’ ዝብል ምስላ፡ ንኣቶ ክፍለ ድቃስ ሂቡዎም ኣይፈልጥን። ልዕሊ ሰባ ኮይና ንኽትወጽእ ለይትን መዓልትን ከይደቀሱ ይሓድሩ። ‘ምንባረይ ንስሌኣ’ዩ’ ብምባል፡ ወትሩ ጸቢቓን ወቂባን ክርእዩዋ ሰለም ኣየብሉን። ምስ መዛኖኣ ክትጻወት እንከላ፡ ኣዝዮም ይከታተሉዋ፡ ከም ጥርሙስ ከይትስበሮም ፈቐዶ ደብሪ እናኸዱ ንስሌኣ ጸሎቶም የዕርጉ። ድኽነት ከም ሕሱም ከም ዘየሕለፉ፡ ንኣርሴማ ጓሎም ድኽነቶም ቀቢሮም ድኽነት ከም ዘይተስተማቕር’ዮም ገይሮማ። ሓለፋ ዘለዎ ሕንቃቐ’ያ ሓንቂቓ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ውላዶም ዝነበረ ሓልዮት፡ መቐረቱ ከይነከየ ከሎ’ዩ ኣርሴማ ዕድመኣ ንትምህርቲ ስለዝኣኸለ ኣብ 1997 ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዱሊስ ናይ መባእታ ትምህርታ ዝጀመረት። ከም ኩሉ ጀማሪ ሓዲሱዋ’ኳ እንተነበረ፡ ምስ ግዜ ኩሉ እናተማዓራረየ ስለዝኸደ፣ ባህሪ ትምህርቲ ኣለልያ ተገዳስነት ከተሕድር ተራእየት። ወለዳ ክልቲኦም ኣብ’ቲ ሰብ ዝበጽሖ ደረጃ ትምህርቲ’ኳ እንተዘይበጽሑ፡ ጥቕሚ ትምህርቲ ጽቡቕ ገይሩ ዝርድኦም ብምዃኖም፡ ኣብ ትምህርቲ ዓቲባ ንኽትሰርሕ ወትሩ ጽኑዕ ምክትታል እናገበሩ’ዮም ካብ ፈለማ ከም እትነፍዕ ገይሮማ። በዚ ምትብባዕ ናይ ወለዳ ተሓጊዛ እምበኣር። ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ ስልማት እናተገዘመትን ኣብነት እናተጸውዐትን ተጓዕዘት። ናይ መባእታ ትምህርታ ዛዚማ፡ ናይ ማእከላይ ደረጃ ንምቕጻል ከኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ዳሉል ሰገረት። ኣብ’ዚ እውን ከም ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ትምህርታ ጸብለል ብምባል፡ ኣብ ሃገራዊ መርመራ ልዑል ነጥቢ ብምምዝጋብ፡ ናብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኢሳቕ ተወልደመድህን ተሰጋገረት።

ኣርሴማ፡ ድኽነትን ጸገም መነባብሮ ገዛኣን ቀስ ብቐስ ክርድኣ ብምጅማሩ፡ ሕንቃቐኣን ቅብጥሮታን ብወለንታኣ ኣቋረጸቶ። ንስድራኣ እንትርፎ ናይ ትምህርቲ ወጻኢታት፡ ከም ሓያሎ ደቂ ሄዋን ንዝዀነ መመላኽዒ ይኹን ንኽዳን ዝወጽእ ወጻኢታት ካብ ምሕታት ተቖጠበት። እታ እንኮ ንስድራኣ ክትክሕሰላ እትኽእል ጻማ ትምህርቲ ምዃና ኣሚና ድማ፡ ምስ ብዙሕ ድሌታታ መንፍዓታ ዋሕዙ ከየቋረጸ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ዛዘመት። ኣብ 2009 ናይ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ትምህርታ ንምቕጻል ናብ ሳዋ ድሕሪ ምውራዳ’ውን፡ እቲ ብኹሉ ሰብ ዘንእዳ ጠባያን መንፍዓታን ናህሩ ከይነከየ፡ ምስ ብሉጽ ውጽኢት ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ዘእቱ ነጥቢ ብምምዝጋብ፡  ነቶም ከብዶም ከየጽገቡ ዘምሃርዋ ወለዳ ጸባ ኣስተየቶም።

“ኣይትኣምነንን ትኸውን – 3.5 እየ ጠቕላላ ነጥቢ ረኺበ። ነቶም ድኽነት እናሃለዎም ቀሲነ ንኽምሃር ባይታ ዘጣጥሑለይ ወለደይ እናዘከርኩ’የ ዝጽዕር ነይረ። ውጽኢት ምስ ተነገርና ድማ ብሓጐስ ነቢዐ። ኩሉ ከርተት ናይ ስድራይ ኣብ ሽዑ በጺሑ ተራእዩኒ – ሕጉስ ኢለ…” ብምባል ነቲ ህሞት ትገልጾ። “ሓደን ዘይንቕነቕን ራእይ’ዩ ነይሩኒ። ስድራይ ንዓይ ንምዕዋት ከይተሓለሉ ሰሪሖም። ኣነ ድማ ዕውትቲ ሰብ ኰይነ ንስድራይ ሰብ ክገብሮም ወትሩ ኣብ ሕልናይ እናተመላለሰ ካብ ዘሸግረኒ ዝነበረ ብሉጽ ሓሳብ ብምንባሩ፡ ክዉን ንምግባሩ ጽዒረ። ጸገም ስድራይ እናዘከርኩ’የ ትምህርተይ ዛዚመ። ክገርመካ ኣብ ሳዋ ከለኹ እውን ከምዚኣ ጎዲላትኒ ኢለ ንስድራይ ዘሸገርኩዎም መዓልቲ ኣይትዝከረንን። ኩሉ ብዓቕመይ ከማልኦ ኣለኒ ዝብል ኒሕ ሒዙኒ። ሓደ ሰብ፡ ‘ስድራኡ እንተደኣዕብዮሞ፡ ንስድራኡ ክነብር ኣለዎ’ ዝብል – ፈጣሪ ዝፈትዎ መንፈስ’ዩ ክሰርጽ ዘለዎ።’ ትርር ኢላ ነቲ ንጹር ዕላማኣ ኣብርሃትለይ።

ኣርሴማ፡ ብቐጥታ ናብ ኮለጅ ማይ ነፍሒ ኣብ ዘምርሓትሉ’ውን እቲ ግሩም ዕላማኣ ኣንፈቱ ኣይስሓተን። ኣብ’ቲ ላዕለዋይ ትምህርቲ፡ ፍቱው ጠባያን ዘይንቕነቕ ራእዪኣን ኣብ ኣእምሮኣ ኣስፊራ፡ ናይ ትምህርቲ መንፍዓታ ቀጸለቶ። እዚ ግና ክሳብ ሳልሳይ ዓመት’ዩ ዝነበረ። ነቲ ከም ዋዛ ቀስ ብቐስ ዝተኣታተዋ ከም ዕንቅፋት እትገልጾ ኩርካሕ መገዲ ብልሳና ክትገልጾ ከላ፡

“ከምዚ ከዕልለካ ዝጸናሕኩ እዩ። ክሳብ ሳልሳይ ዓመት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት’የ ነይረ፡ ዳሕራይ ግን ኣንፈተይ ጠፊኡ፣ ኩሉ ተሓዋዊሱኒ…” ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ብትካዘ ኣዕለበጠት።

“እንታይ ዝበለ ዕንቅፋት ድዩ ኣጋጢሙኪ?” እቲ ኣሰንባዲ ዛንትኣ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር።

ይቕጽል!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com